ወከልቲ ባይቶ ጸጥታ ናብ ሶማል ምብጻሕ ክፍጽሙ’ዮም፣ ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ ዝቐረበ ሓሳብ ግና ብተቓውሞ ኣመሪካ ተሰሪዙ

ወከልቲ ባይቶ ጸጥታ ናብ ሶማል ምብጻሕ ክፍጽሙ’ዮም፣ ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ ዝቐረበ ሓሳብ ግና ብተቓውሞ ኣመሪካ ተሰሪዙ

Radio Erena: 04 May 2016

Amb Amr

ወከልቲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መፋርቕ ናይዚ ወርሒ’ዚ ናብ ሶማል ዑደት ከካይዱ’ዮም።

እዋናዊ ፕረዚደንት ናይቲ ባይቶን ቀዋሚ ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ዓምር ኣቡላታ ብሰኑይ 2 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ወከልቲ ባይቶ ጸጥታ ቅድሚ’ቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ምርጫ ሶማል፣ ናብታ ሃገር ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ፣ ንመስርሕ ምርጫ እታ ሃገር ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ’ዮም።

እቲ ካብ 17 ክሳብ 21 ግንቦት ተመዲቡ ዘሎ ዑደት ወከልቲ 15 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ብዘይካ’ቲ ናብ ሶማል ፣ ናብ ኬንያን ግብጽን’ውን ምብጻሕ ክፍጽሙ ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣረጋጊጹ።

 

ወኪልቲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ እገዳ ተነቢሩለን ናብ ዘሎ ሶማልን ኤርትራን ዑደት ንምክያድ ብኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረብ ሓሳብ፣ እቲ ናይ ሶማል ደገፍ ክረክብ እንከሎ፣ እቲ ናይ ኤርትራ ግና ብኣመሪካ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ማዕከን ኣብ ናይ 19 ሚያዝያ ዜና ምግላጺ ኣይርሳዕን።

ማዕከን ዜና ኢነር ሲቲ ፕረስ ፣ ኣስማት ምንጭታቱ ከይጠቕሰ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ሶማል ኣመልኪቱ ኣብ 19 ሚያዝያ ኣብ ዘካየዶ ዕጹው ርክብ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ እዋናዊ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ዝርከብ፣ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ግብጺ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዓምር ኣቡላታ፣ ናብ ሶማል፣ ኤርትራን ግብጽን ምብጻሕ ንምፍጻም’ዩ ሓሳብ ኣኣቕሪቡ።

እንተኾነ እቲ ናይ ሶማልን ግብጽን ተቐባልነት ክርከብ እንከሎ፣ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝብል ሓሳብ ግና ብኣመሪካ ተቓውሞ ስለዝገጠሞ፣ ክስረዝ ከምዝኽእል ኣብቲ እዋን’ቲ ተጠቒሱ ኔሩ።

ሶማል ካብ 1991 ኣትሒዙ ብባይቶ ጸጥታ እገዳ ዝተነብረላ ክትከውን እንከሎ፣ ኤርትራ ከኣ ምስዚ ናይ ሶማል ተተሓሕዙ ካብ 2009 ኣብ ልዕሊኣ እገዳ ጸኒዑ ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኣልሸባብ ይድግፍ ምህላዉ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘየለ ጸብጻብ ናይታ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልን ዘመልክት እኳ እንተኾነ፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ዘንበሮ እገዳ ንኽልዓል ገና ተወሳኺ መጽናዕታት ከምዘድሊ ዲፕሎማሰኛታት ይጠቕሱ።

ጉዳይ ጅቡቲ’ውን ሓደ ካብ ኣውራ ምኽንያታት እገዳ ስለዝነበረ፣ መንግስቲ ኤርትራ ን8 ዓመታት ብስቕታ ሒዝዎም ዝጸንሐ ኣርባዕተ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ምልቓቑ፣ እገዳ ንኽልዓለሉ ካብ ዝገብሮ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ፈተነታት ምዃኑ ይትንተን።

ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ካብ ዝኾና ሓሙሽተ ሃገራት ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓለ እቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ግኑን ስም ዘለዎ ምልካዊ መንግስቲ ፖለቲካዊ ጽገናታት ክገብር’ዮም ዝጠልቡ።
============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0