ሚኒስተር ምክልኻል ቐጠር ኣብ ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን ዓስኪሩ ንዘሎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት በጺሑ

ሚኒስተር ምክልኻል ቐጠር ኣብ ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን ዓስኪሩ ንዘሎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት በጺሑ

Radio Erena: 05 June 2016

Qatar De

ሚኒስተር ምክልኻል ቐጠር ዶክተር ኣል ዓጢያህ ብ4 ሰነ ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ዑደት፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ዘሎ ወተሃደራዊ ምትፍናን ንምቁጽጻር፣ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ሃገሩ ንዘካይዶ ዘሎ ዕማም ሞጊሱ።

ጋልፍ ታይምስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት፣ ኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ዝተላእከ ናይ ናእዳን ሰላምታን ደብዳበ ናብ ሰራዊት ቐጠር ተረኪቡ።

ኤርትራን ጂቡቲን ኣብ መንጎአን ዘሎ ዶባዊ ግጭት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክፈትሖኦ ኣብ ዝፈተናሉ፣ ብመንጎኝነት ቐጠር ዘተ ሰላም ድሕሪ ምክያዱ፣ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ዓቃብ ሰላም ክዋፈር ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት’ዩ ሰራዊት ቐጠር ነቲ ሓላፍነት ወሲዱዎ።

 

ኣብ እዋን’ቲ ኲናት መንግስቲ ኤርትራ ዝማረኾም ወተሃደራት ጂቡቲ ናጻ ንኽወጹ ንግስነት ቐጠር ኣገዳሲ ግደ ከምዝተጻወተ ዝዝከር’ዩ።

ኣብቲ ርክብ ሰራዊትን ሚኒስተር ምክልኻል ቐጠርን፣ ኤርትራን ጂቡቲን ዘለወን ዶባዊ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ መዕለቢኡ ክሳብ ዘብጽሖኦ ሰራዊት ቐጠር ሒዙዎ ዘሎ ዕማም ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽል ምዃኑ ኣዘዝቲ’ቲ ሰራዊት ገሊጾም።

መራሕቲ ኤርትራን ጅቡቲን ብዛዕባ ህሉው ኩነታቶም ብዝምልክተ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ብ ናብ ኣሚር ቐጠር ደብዳቤታት ከምዝልኣኹ ይዝከር።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0