ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ካብ ዝሰኣኑ ልዕሊ 800 ሰባት  ፍርቆም ኤርትራውያን ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ካብ ዝሰኣኑ ልዕሊ 800 ሰባት ፍርቆም ኤርትራውያን ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 02 June 2016

25 Mayዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዝጠሓሉ ኣስታት 500 ሰባት መብዛሕቶም ኤርትራውያን ምንባሮም ይግለጽ ኣሎ።

ክልተ ካብቲ ሓደጋ ባሕሪ ዝደሓኑ ኤርትራውያን ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ካብታ ማይ ልሑኹ ዝኣተዋ ጃልባ ንምድሓን ዝገበርዎ ጻዕሪ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ እታ ጃልባ ማይ ብማይ ተዋሒጣ ህወይት ኣማኢት ሰባት ከኣ ኣብቲ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ኣረጋጊጾም።

27 ዓመት ዕድሚኡ ሃብቶም ተኽለ፣ ነቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ክገልጾ እንከሎ፣ ምሉእ ለይቲ ነቲ ናብታ ጃልባ ዝለሓኵ ማይ ንምጽራግ ዝገበርዎ ፈተነ ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ኣብ ወጋሕታ ኣውያት ቆልዑን ደንቅንስትዮን ብብዝሒ ክሰማዕ ከምዝጀመረ’ዩ ጠቒሱ።

 

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ፊሊሞን ሰሎምን ዝተባህለ ወዲ 21 ዓመት ኤርትራዊ’ውን፣ ዝበዝሑ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ክጥሕሉ ኣብ ዝጀመረሉ ክገብሮ ዝኽእል ሓገዝ ብዘይምናብሩ ነብሱ ንምድሃን ጥራይ ከምዝተቓለሰ’ዩ ሓቢሩ።

ኣብታ ጃልባ ኣስታት 500 ሰባት ከምዝነበሩ ክግለጽ እንከሎ፣ እቶም ኣስታት 400 ኤርትራውያን ምዃኖም’ውን ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ይሕብሩ ኣለዉ።

ኣብ ሓንቲ ሰሙን ጥራይ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝጠሓላ ጀላቡ ኣስታት 880 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ክግለጸ ቀንዩ’ዩ።

እንተኾነ ዜግነት ናይቶም ዝጠሓሉ ይኹን ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪን ትካላት ህይወት ኣድሕንን ካብ ሞት ዘምለጡ ከይተገልጸ’ዩ ጸኒሑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ልዕሊ 270 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓነት ካልእ ጃልባ’ውን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምብጋሳ ዛጊት ሃለዋታ ከምዘይተፈልጠ ይግለጽ ኣሎ።

ኩነታት ማዕበል ባሕሪ ሃዲእሉ ኣብ ዘሎ ወቕቲ፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ካብ ገማግም ባህሪ ሊብያ እናተበገሱ ናብ ኢታልያ ይሰግሩ ኣለዉ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 10 መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 10 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።
===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0