ሚኒስተር ልምዓት ጀርመን ገርድ ሚዩለር መንግስቲ ኤርትራ ንሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ናይ ግዜ ገደብ ክገብረሉ ከምዝግባእ ገሊጹ

ሚኒስተር ልምዓት ጀርመን ገርድ ሚዩለር መንግስቲ ኤርትራ ንሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ናይ ግዜ ገደብ ክገብረሉ ከምዝግባእ ገሊጹ

Radio Erena: 24 August 2018

 muller in asmኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደ ሚኒስተር ልምዓት ጀርመን ገርድ ሚዩለር፣ ኣብ ሃገሩ ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ኤርትራውያ ቁጽሪ ክጎድል ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ድሕሪ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ምስፋኑ ብወግዒ ስለዝተኣወጀ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት መንእሰያት ኮይኑ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ናይ ግዜ ገደብ ክገብረሉ ከምዝግባእ ገሊጹ።

ሚዩለር ብተወሳኺ ኣብ ጀርመን ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ዑቕባ ናይ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ቁጽሪ ከባቢ 15 ሽሕ ከምዝበጽሕ ድሕሪ ምግላጽ፣ መንግስቲ ኤርትራ ስርዓቱ ኣመሓዪሹ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ብምትእትታው ዋሕዚ ስደት ክገትእ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ብወገኑ፣ ምስ ሚኒስተር ሚዩለር ብጉዳይ ስደተኛታት ከምዝተዘራረበ እኳ እንተተኣመነ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝደለዩዎ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝኽእሉ ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ ካልእ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣቶ ዑስማን ንዑደት ሚኒስተር ሚዩለር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ምስ መግስቲ ጀርመን ዝተፈረመ ዝኾነ ናይ ሓገዝ ስምምዕ ከምዘየለ ክገልጽ እንከሎ፣ ብመንገዲ ኢትዮጵያ ዝልገስ ሓገዝ ግና ብፍላይ ኣብ ምምዕባል ትሕተ ቅርጺን ምሕዳስ ኣገልግሎት ወደባትን፣ ናይ ሓባር ረብሓ ከምዘሎ ጠቒሱ።

ኤርትራ ምስ ብዝሒ ህዝባ ክነጻጸር እንከሎ ካብተን ብብዝሒ ስደተኛታት ዘፍርያ ሃገራት ዓለም ምዃና ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ከምቲ ብማዕከናት ዜና ዓለም ዝግለጽ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ዘይኮነስ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ኮነ ኢለን ንኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ክንህበኩም እንዳበላ የስድዖኦም ኣለዋ ክብል’ዩ ምላሽ ሂቡሉ።

ኣብ ጀርመን ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ናብ 75 ሽሕ ደዪቡ ከዘሎ ሚኒስተር ልምዓት ጀርመን ይገልጽ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0