ዚምባብዌ፣ ኤመርሰን ምናንጋዋ ፕረዚደንት ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ

ዚምባብዌ፣ ኤመርሰን ምናንጋዋ ፕረዚደንት ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ

Radio Erena: 27 August 2018

Mnangawa 2

ብ30 ሓምለ ዝተኻየደ ምርጫ ዚምባብዌ፣ ውጽኢቱ ኣካታዒ ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኤመርሰን ምናንጋዋ ምዕዋቱ ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር ብዝሃቦ መረጋግጺ፣ ብሰንበት 26 ነሓሰ ፕረዚደንት ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ኤመርሰን ምናንጋዋ፣ ሰራዊት እታ ሃገር ንሮበርት ሙጋበ ብውሕሉል ወትሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስጣን ድሕሪ ምእላዩ፣ ከም ተካኢ ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ’ዩ።

ንሓያሎ ዓመታት ምክትል ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ኮይኑ ዘገልገለ ምናንጋዋ፣ ምስቲ ፕረዚደንት ነበረ ድሕሪ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ንሒደት ኣዋርሕ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሰዲዱ ምንባሩ ይፍለጥ።

እንተኾነ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ነቲ ን38 ዓመታት ንዚምባብዌ ዝመርሐ ወዲ 94 ዓመት ሮበርት ሙጋበ ብዘይምፍሳስ ደም ብውሕሉል መንገዲ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፣ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ነቲ ኣብ ስደት ዝነበረ ምክትሉ ስልጣን ኣሰጋጊርሉ።

ዚምባብዌ፣ ድሕሪ ሮበርት ሙጋበ ኣብ ዘካየደቶ ፈላሚ ምርጫ ከኣ፣ ኤመርሰን ምንንጋዋ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።

ተቓወምቲ ሰልፍታት ንውጽኢት እቲ ምርጫ ስለዘይተቀበልዎ ኣሰሓሓቢ ኮይኑ እኳ እንተጸንሐ፣ ኮሚሽን ምርጫ ብዝሃቦ ውሳኔ ግና እቲ ኣባል ዓብላል ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ ዝኾነ ምናንጋዋ ከምዝተዓወተ ኣረጋጊጹ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0