ሚኒስተራት ምክልኻል ኣባላት ሳሕለ-ሰሃራ ኣብ ግብጺ ይጋብኡ

ሚኒስተራት ምክልኻል ኣባላት ሳሕለ-ሰሃራ ኣብ ግብጺ ይጋብኡ

Radio Erena: 24 March 2016

sahle

ሚኒስተራት ምክልኻል ኣባላት ሃገራት ሳሕለ-ሰሃራ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዓለመ ዋዕላ፣ ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ሸርምሸኽ የካይዱ ኣለዉ።

እቲ 22 ክሳብ 25 መጋቢት ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ፣ ብዘይካ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት፣ ምቁጽጻር ምስግጋር ሓሽሽን ሽበራን ኣብ ዝብል ነጥቢ’ውን የተኩር ምህላዉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብዚ ንክልተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣኼባ ኤርትራ ካብ እትርከብን 27 ኣባላት ሃገራት ሳሕለ-ሳሃራ፣ ወኪላተን ልኢኸን ምህላወን ይግለጽ።

 

ብዘይካ’ዚ ማእከላይ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ስጳኛ፣ ኢጣልያ፣ ግሪኽ፣ ቆጵሮስን ፈረንሳን’ውን ኣብዚ ዋዕላ ይሳተፋ ኣለዋ።

እዘን ሃገራት ብማእከላይ ባሕሪ ብዝርአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ብኸቢድ ካብ ዝተጸልዋ ሃገራት ኤውሮጳ ምዃነን ይፍለጥ።

ምትእክኻብ ሃገራት ሳሕለ-ሳሃራ (CEN-SAD) ኣብ 1998 ብሽዱሽተ ሃገራት ኣብ ዝቖመሉ፣ ናጻ ምንቕስቓስ ዜጋታተ እዘን ሃገራት ብምትብባዕ፣ ወፍርን ንግድን ንምስሳን ዝብል ዕላመ ከምዝነበሮ ይፍለጥ።

እንተኾነ ዶባዊ ምስሕሓብ ሃገራት፣ ስግኣት ሽበራ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታትን ንዕላማ ምትእክኻብ ሃገራት ሳሕለ-ሰሃራ ኣደስኪልዎ ይርከብ።

ሚኒስተራት ሃገራት ኣባል ሳሕለ-ሰሃራ ናይ መወዳእታ ርክቦም ኣብ 2011 ኣብ ሊብያ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ምንባሩ ይዝከር።

ካብ ናይ ግብጺ ዜና ከይወጻእና፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ምቅይያር ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ጌሩ።

እቲ ፕረዚደንት 10 ሓደስቲ ሚኒስተራት ከምዝመዘዘ’ውን ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0