ሚልሻ ሰራዊት ሱዳን፣ ንሓደ ካብ መራሕቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ዳርፉር ከምዝማረኸ ኣፍሊጡ

ሚልሻ ሰራዊት ሱዳን፣ ንሓደ ካብ መራሕቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ዳርፉር ከምዝማረኸ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 12 November 2017

janjawidኣሃዱ ሚልሻ ሰራዊት ሱዳን፣ ንሓደ ካብ መራሕቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ዳርፉር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ብጃንጃዊድ ዝፍለጥ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ምስ ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ ምጽምባሩ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዳርፉር ከም ቀንዲ ሓለዋ ዶብ መንግስቲ ሱዳን ኮይኑ’ዩ ዘገልግል ዘሎ።

እቲ ኣሃዱ ምልሻ ትማሊ ቀዳም 11 ሕዳር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ‘’ሳቫና’’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መራሒ ተቓወምቲ ሰውራዊ ምንቅስቓስ ሱዳን ዓብደላ ራዚቐላህ ምስ ሓለውቱ ከምዝተማረኸ ኣፍሊጡ።

ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 9 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ምልሻታት ሰራዊት ወተሃደራዊ ረጽሚ ክረአ ድሕሪ ምጽንሑ’ዩ ዓብደላ ራዚቐላህ ከምዝተማረኸ ዝግለጽ ዘሎ።

ዕጡቕ ተቓዋሚ ሰውራዊ ምንቅስቓስ ሱዳን፣ ኣባል ምልሻ ሰራዊት ሱዳን ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። እንተኾነ መንግስቲ ሱዳን ምስ ምልሻ ጃንጃዊድ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ፣ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ንበይኑ ተፈንጪሉ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ክዋጋእ ከምዝጸንሐ ይግለጽ።

ዝሓለፈ ሰሙን 300 ኣባላት’ቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ናብ ምልሻ ጃንጃዊድ ኢዶም ከምዝሃቡ ምንጭታት ዜና የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0