ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰለ ምስ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ እቲ ዞባ ተዘራሪቡ

ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰለ ምስ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ እቲ ዞባ ተዘራሪቡ

Radio Erena: 13 November 2017

Adam Jama'a Adam

ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰለ ኣደም ጃማ ኣደም ምስ ነበርቲ እቲ ዞባ ዝኾኑ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ከምዝተዘራረበ ተሓቢሩ።

እቲ ኣማሓዳሪ ኣብቲ ብሓሙስ 9 ሕዳር ምስ ኤርትራውያን ማሕበረ ኮም ዘካየዶ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ዝምድናታት እቲ ማሕበረ ኮምን ሱዳናውያን ደቀባት እቲ ዞባን ዘሎ ዝምድና ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ምህላው ኣገንዚቡ።

ዝምድና ሱዳንን ኤርትራውያን’ውን ጽቡቕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ዞባ ከሰላ ኣብ ንጥፈታት እቲ ዞባ ንዝግበርዎ ዘለዉ ዝተፈላለየ ኣበርክቶታት ኣመስጊኑ።

ኣደም ጃማ ኣደም ምስ ማሕበርኮም ኤርትራውያን ዝዘራረብ ዘሎ፣ ብመንገዲ ከሰላ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንቁጠባ እቲ ዞባ ሃስይዎ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ።

ሱዳናውያን ነበርቲ ዞባ ከሰላ ብሰንኪ ክብሪ መነባብሮን ናህሪ ዋጋታትን ተደጋጋሚ እዋን ተቓውሞታት ኣብ ዘካይድሉ ዘለው እዋን፣ ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ብ31 ጥቅምቲ ምስ ነበርቲ ከባቢ ካራይት ኣኼባ ብምክያድ፣ ናብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደው ንምባሉ ክሰርሕ ምዃኑ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኣብቲ ኣቐዲሙ ምስ ዜጋታት ሱዳን ዝተኻየደ ርክብ፣ እቲ ካብ ዞባ ከሰላ ናብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብኮንትሮባንዳ ዝሰግር ዘሎ ነዳዲን ፊኖን ንቁጠባ እቲ ዞባ ይሃስዮ ከምዘሎ ዘተሰሓሳሰበ ኣደም ጃማ ኣደም ንዘይሕጋውን ነጋዶ ክንሃድኖም ኢና ክብል ገሊጹ።

ምስ ኤርትራ ዝህሉ ዝምድና ኣገዳሲ ስለዝኾነ፣ ኣብ ዶብ ዝካየድ ዘሎ ንግድ ሕጋዊ ዝኾነሉ መንገዲ ክናደ ምዃኑ’ውን ኣስሚርሉ።

ካብ ሱዳን ብዘይሕጛዊ መንገዲ ዝተሸመተ ከም ነዳዲ፣ ዘይቲ፣ ፊኖን ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራትን ብዞባ ከሰላ ኣቢሉ ብኮንትሮባንዳ ናብ ኤርትራ ከምዝኣቱ ይፍለጥ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0