ሙጋበ፣ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክጥቀም ዝኽእል ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን (ስማርት ፎን) ክህገር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ

ሙጋበ፣ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክጥቀም ዝኽእል ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን (ስማርት ፎን) ክህገር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ

zimbኣብ ዚምባብወ ዝጎሃሃር ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ንምቁጽጻር፣ ሰራዊት እታ ሃገር ዘይምሕር ምላሽ ክህበሉ ምዃኑ፣ ለተናንት ጀነራል ቫለሪዮ ሲባንዳ ገሊጹ።
እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ዚምባብወ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፣ ንምምሕዳር ሮበርት ሙጋበ ክቃወሙ ሰላማዊ ሰልፍታት ክውድቡ ንዝቐነዩ ብፍላይ ተሪር ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ’ዩ ኣጠንቂቑ።

ልዕሊ 80 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ብሽቕለተ ኣልቦ ዝተጠቕዐት ዚምባብወ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ተደጋጋሚ ህዝባዊ ተቓውሞታት ርእያ እያ። እቲ ብብዝሒ ተሳታፍነት ህዝቢ ዝሓየለ ተቓውሞ ኣንጻር ፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ሰልፈኛታት ስልጣን ናብ ህዝቢ ክርከብ ጠሊቦም።
በዚ እንዳሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝሰግአ ምምሕዳር ሙጋበ፣ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክጥቀም ዝኽእል ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን (ስማርት ፎን) ክህገር ዘፍቅድ ትእዛዝ ናብ ፖሊስ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ዚምባብወ ኣብ መግለጺኡ፣ መንእሰያት ብማሕበራዊ መራኸቢታት እንዳተወደቡ ሰላማዊ ሰልፊ ከካዪዱ ቀሊል መንገዲ ረኺቦም ብምህላዎም ስማርት ፎን ዝሓዘ ውልቀሰብ ንብረቱ ክህገር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
እንተኾነ ፖሊስ’ታ ሃገር ነዚኤን ዓይነት ተንቀሳቐስቲ ቴሌፎናት ፈልዩ ክፈልጠን ዓቕሚ ስለዘይብሉ፣ ናይ መጀመርያ ስጉምቱ ስልጠና ክወስድ ከምዝኾነ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣዘዝቲ ሰራዊት ዚምባብወ ኣብ 1970ታት ካብ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኮይኖም ንስልጣን ፕረዚደንት ሙጋበ ዝሕልዉ ዘለዉ’ዮም።
ወዲ 92 ዓመት ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ኣብዚ ን36 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ ዘበን፣ ነታ ሃገር ኣብ ዘይወጽእ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ዓዘቕቲ ከምዝሸመማ ተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ከባቢ የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0