መ.ኤርትራ ናይ መዘናግዒ ቪላታት ይሃንጽ

መ.ኤርትራ ናይ መዘናግዒ ቪላታት ይሃንጽ

ኣብ ኤርትራ መነባብሮ ህዝቢ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ባይታ እናዝሐ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ዕላምኡ ንጹር ዘይኮነ ኣብ ዳህላክ ዝህንጸ ዘሎ ውቁብ ናይ መዘናግዒ ቪላታት ናብ ምዝዛም ገጹ ከምዝተቓረበ ተገሊጹ።

       እቲ 48 ሚልዮን ዶላር ዝወድኣ ኣብ 850 ትርብዒት ሜትሮ ዝተደኮነ ክልተ ውቁብ ናይ መዘናጎዒ ቪላታት፣ ነፍሲ ወከፉ ብዘመናዊ ኣገባብ ዝተሃንጸ መሐንበሲ፣ ባራትን ናይ መሳዕስዒ ክለብን፣ መመገብ ካልእ መዘናግዒ ቦታን ዘለዎ’ዩ።

       ብዘይካ’ዚ’ውን ናይ ብቕጥራን ዝተለበጠ ጽርግያን መዕርፎ ሄሊኮፕተራትን ዝኸውን ምዕቡል ትሕተ ቕርጺ ተሃኒጽዎ ይርከብ። እቲ ኣብ ደሴት ዳህላክ ተደኵኑ ኣብ ምዝዛም ዝርከብ ናይ መዘናግዒ ቪላታት፣ ብሓገዝ መንግስቲ ቐጠር ከምዝተሃንጸ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ ዋናታቱ መነመን ምዃኖም ግና ዛጊት ኣይተነጸረን።

      ህዝቢ ኤርትራ ብስእነት ከም ዝስተ ጽሩይ ማይ፣ ባኒ፣ ጸባ፣ ላምባ፣ ኤሌክትሪሲቲን ካልእን ኣዝዩ ተጸጊሙ መነባብሮ ከቢድዎ እንሃለወ፣ ከምዚ ዓይነት ናይ መዘናግዒ ቪላታት ብኣስታት 50 ሚልዮን ዶላር ምህናጹ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

         እቲ ብንግስነት ቐጠር ተመዊሉ ኣብ ደሴት ዳህላክ ዝህንጽ ዘሎ ናይ መዘናጎዒ ቪላታት ብሊባኖሳዊ ናይ ህንጻ ኩባንያን ናይ ኩዌት ናይ ሎጊስቲክ ቀረባትን’ዩ ኣብ 2007 ክህነጽ ጀሚሩ። ምስራሕ እቲ በዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ናይ መዘናግዒ ቪላታት መንግስቲ ኤርትራ ብምስጢር’ዩ ሒዝዎ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0