መ.ንግስቲ ኤርትራ ብምስጢር ምስ መ. እስራኤል ዝርርብ ይቕጽል

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ብዝምልከት ብምስጢር ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ ምህላዉ ተፈሊጡ። ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኤርትራ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ከካይድ ዝጸንሐ ዝርርባት፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ ሰበ ስልጣን እስራኤል ንምዝርራብ’ውን ብምስጢር ናብ እስራኤል ከምርሕ ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የመልክቱ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ እስራኤል ምስ ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ ዘተ ከካይድ ትጽቢት ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ኣንጻሩ ተቓውምኦም ከስምዑ ተኽእሎታት ምህላዉ ገሊጾም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ተኸስተ ተስፋማርያም፣ ንመንግስቲ እስራኤል ደጋጊሙ ከምዝሓበሮ፣ እስራኤል ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ንእተባርሮም ኤርትራውያን መንግስቲ ኤርትራ ክቕበሎም ፍቓደኛ ኣይኮነን። መንግስቲ እስራኤል ብወገኑ፣ ኤርትራውያን ይኹኑ ካልኦት ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ክሳብ ኣብ መፋርቕ 2013 ኣብ ዘሎ ግዜ ጠቕሊሎም ክወጹ እንተዘይክኢሎም፣ ገፊፉ ኣብ በረኻ ኣብ ዝተደኮነ ቤት ማእሰርቲ ነገቭ ክዳጉኖም ምዃኑ’ዩ ዝሕብር። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብዚ ናብ እስራኤል ዘካይዶ ሚስጢራዊ ዑደት፣ መርገጺ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ እቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ብዝምልከት ንሰበ ስልጣን እስራኤል መብርሂ ክህብ’ዩ። ብዘይካ’ዚ’ውን ብዛዕባ እቲ እስራኤል ዘሻቕላ ዘሎ ጉዳይ ህላወ መራኽብ ኵናት ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕርን፣ ምስ ኤርትራ ብዛዕባ ዘለዎ ምትእስሳርን’ውን ከም ነጥቢ ክልዓል’ዩ ዝብል ትጽቢት ተነቢሩ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0