ኣመሪካ ዜጋታታ ናብ ኤርትራ ከይገሹ ተጠንቅቕ

ቆንስላዊ ጉዳያት ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ፣ ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ከይገሹ ዘውጽኦ መጠንቐቕታ ዳግም ብምሕዳስ፣ ናብ ኤርትራ ክገሹ ወጢኖም ዘለዉ ኣመሪካውያን መገሽኦም ክስርዙ ጸዊዑ። መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ 18 ሚያዝያ 2012 ንዘውጽኦ መጠንቐቕታ፣ ብ29 ሕዳር 2012 ዳግም ዳግም ዘሐደሰሉ ምኽንያት፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘሎ መጥቓዕታትንን ኣብ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዕእበየ ብዝመጽእ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣትን ምዃኑ ይጠቕስ። እቲ ቆንስላዊ ጉዳያት ብክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ ኣቕሪብዎ ዘሎ ናይ ጉዕዞ መጠንቐቕታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዲፕሎማሰኛታት ንዝርከብዎም ዜጋታት ኣመሪካ ምንቓስቓሳቶም ከምዝድርት ብምሕባር፣ ካብ ኣሰራ ወጻኢ ክንቐሳቐስ ንዝደሊ ዝኾነ ወጻእተኛ ቅድሚ 10 መዓልታት ፍቓድ መንቐሳቐስ ክሓትት ከምዝግደድ ኣዘኻኺሩ። ብዘይካ’ዚ እቲ ሓበሬታ፣ ናይ ኤርትራን ኣመሪካን ድርብ ዜግነት ዘለዎም ሓያሎ ዜጋታት ክሳብ እዚ እዋን እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ተቐይዶም ከምዘለዉ’ውን የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0