መንግስቲ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ኤርትራውያን ይገፍፍ

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ኤርትራውያን ይገፍፍ

Radio Erena: 27 December 2014

EriSud

ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ገዛ ገዛ እንዳኣተው ክገፉ ከምዝጀመሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንዝኾነ ኤርትራዊ ብዘይ ኣፈላላይ፣ ገዛ ገዛ እንዳኣተዉ ይወስድዎም ኣለዉ።

ሬድዮ ኤረና ንገለ ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ዜጋታትና ረኺባ ኣብ ዝኣከበቶ ሓበሬታ፣ እዚ ብመንግስቲ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ግፋ፣ ምስቲ ኣብ መዓስከር ዝደተኛታት ሸገራብ ዘጋጠመ ኩነታት ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

 

እዚ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ መሰል ዝገሃሰ ግፋ፣ ስለምንታይ ኣብ ንኤርትራውያን ጥራይ ዝጠመተ ምዃኑ ንገዛእ ርእሱ ሕቶ ዘለዓዕል’ኳ እንተኾነ፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ በዚ ኩነታት ከይጽለዉ፣ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ይጣበቐሎም ስለዘሎ ምዃኑ ምንጭታትና ገሊጾም።

ቤት ጽሕፈት ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፣ ብምኽንያት ቅነ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ዕጹው ስለዝኾነ፣ እቲ ቤት ጽሕፈት ንቡር ስርሑ ክሳብ ዝጅምር፣ ዝኾነ ኤርትራዊ ወረቐት ዘለዎ ይኹን ዘይብሉ፣ ዘየድሊ ምንቅስቓስ ከይገብር፣ ካብ ገዝኡ ክወጽእ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ ከኣ ከቢድ ጥንቃቐ ክገብር፣ እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዜጋታት ምሕጽንታ ኣሕሊፎም።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0