ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ኣካይዱ

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ኣካይዱ

Radio Erena: 29 December 2014

Haile Muse

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ካብ ዓርቢ 26 ታሕሳስ ክሳብ ትማሊ ሰንበት 28 ታሕሳስ ዘካየዶ ዑደት፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳልኝ ብምርኻብ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ንግዲ፣ ጸዓትን መጓዓዝያን ክገብርኦ ዝኽእላ ምትሕብባር ዘትዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፣ ኡጋንዳ ካብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክትሽምትን፣ ንኣዲስ ኣበባን ካምፓላን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ክህነጽ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎን ከምዝተዘራረቡ’ውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ።

 

ኣብ ጉዳይ’ቲ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ መዕለቢ ዘይረኸበ ግጭት ደቡብ ሱዳን ብዝምልከት ከኣ፣ ኣባል ኢጋድ ዝኾነ ኡጋንዳ ካብ ውሳኔ’ቲ ማሕበር ወጻኢ ሰራዊታ ኣብ ከተማ ቦር ናይ ደቡብ ሱዳን ምውፋራ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንጋዜጠኛታት ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ብሰራዊት ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ክሳብ ዝትካእ’ውን ሰራዊቱ ከምዘይስሕብ ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ኡጋንዳ ንፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ፣ ብግሁድ ኣንጻር’ቶም ብሬክ ማሻር ዝድገፉ ተቓወምቲ ወትሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ዝፍለጥ’ዩ።

ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንምዕዋቱ ብመንጎኝነት ኢትዮጵያን ኣባላት ሃገራት ኢጋድን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጻዕርታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ንመንግስቲ ጁባ ንምድጋፍ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ሰራዊት ኡጋንዳ ከምዘይስሕብ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ምግላጹ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ብዘይካ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ሶማል’ውን ዘርኽብ ነጥቢ ከምዘለወን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ክልትኤን ሃገራት ኣልሸባብ ንምድምሳስ ሰራዊትን ልኢኸን’የን።

ካምፓላን ጁባን ዑሙር ንግድን ወፍርን ዝካየደለን ዘሎ ከተማታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮይነን ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን’ውን ኣብዚ ንግድን ወፍሪን’ዚ ተጸንቢሮም ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ንግዳዊ ጥፈታት ኣብ ምክያድ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።
============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0