መጓዓዝያ ዞባ ማእከል፣ ብሰንኪ ብልሽዉ ምሕደራ፣ ከቢድ ክሳራታት ኣጋጢምዎ

መጓዓዝያ ዞባ ማእከል፣ ብሰንኪ ብልሽዉ ምሕደራ፣ ከቢድ ክሳራታት ኣጋጢምዎ

Radio Erena: 30 November 2018

Bus zoba makel

ኣብ ኤርትራ፣ ዞባ ማእከል፣ ህዝባዊ ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ኣብ ምሃብ ዝርከብ መንግስታዊ ትካል፣ ብሰንኪ ብልሽውና ከቢድ ክሳራታት ወሪድዎ።

እቲ ትካል ብሰንኪ ዘጋጠሞ ኣስታት 60 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ክሳራ፣ ልዕሊ 400 ሰራሕተኛታቱ ከምዝሰጎገ ምስቲ ትካል ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣውራ ጠንቂ ናይዚ ድማ፣ ሰኣን ብቁዕ ምሕደራን ኣብ ትካላት መንግስትን ህግደፍን ሳዕሪሩ ዘሎ ብልሽውናን ምጥፍፋእን ምዃኑ’ዮም እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ዘረድኡ።

ካብ ኣስመራ ተበጊሱ ክሳብ መርሓኖ፣ ሕምብርቲ፣ ዓዶጓዕዳ፣ ቁሸትን ካልእ ከባቢ ዓድታት ናይቲ ዞባ ብተዛማዲ ዝሓሸ ኣገልግሎታት ናይ መጓዓዝያ ክህብ ዝጸንሐ እቲ ትካል ኣብዚ እዋን’ዚ ተሰናኺሉ፣ ህዝቢ ብስእነት መጓዓዝያ ከማርር ይስማዕ ኣሎ።

ነቲ መጓዓዝያ ዞባ ማእከል ክሽፍኖ ዘይክኣለ መስመራት፣ ብናይ ብሕቲ ኣውቲቡሳት ንምትካእ ይፍተን እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ወነንቲ ናይ ብሕቲ ኣውቶቡሳት ብዝኽተሎ ከም ቀረብ ነዳዲ ይኹን ካልእ መሳለጥያታት ግና፣ ስሩዕ ኣገልግሎታት ንምሃብ ኣይተኻእለን።

ኣስታት 130 ኣውቶቡሳት ኣዋፊሩ ዝነበረ መጓዓዝያ ዞባ ማእከል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ካብኣተን ተበላሽየን፣ ሰኣን መቐያየሪ ኣቑሑ ኣብ ጋራዥ’የን ተዓሺገን ዘለዋ።

ህዝባዊ መጓዓዝያ ገመል’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ጸገም ድሕሪ ምውዳቑ፣ ካብ ተራ መራሕቲ መካይን ክሳብ ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ብእልማማ ከምዝተኣስሩ ኣይርሳዕን።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0