ኣዲስ ኣበባ፣ ዋሕዲ ነዳዲ እናበኣሰ ይመጽእ

ኣዲስ ኣበባ፣ ዋሕዲ ነዳዲ እናበኣሰ ይመጽእ

Radio Erena: 30 November 2018

Addis Abeba fuel shortage

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዋሕዲ ነዳዲ ብፍላይ ድማ ቤንዚን እናገደደ ይመጽእ ከምዘሎ ጋዜጣ ሪፖርተር ሓቢራ።

እታ ጋዜጣን ንሓላፊ ትካል ኣቕራቢ ነዳዲ ኢትዮጵያ ኣቶ ታደሰ ሃይለማርያም ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረብቶ ጸብጻብ፣ ኣውራ ምኽንያት ናይዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራእዩ ዘሎ ዋሕዶ ነዳዲ፣ ዘይሕጋዊ መሸጣ’ዩ።

መንግስቲ ናብ መዐደሊ ነቑጣታት ዘከፋፈሎ ነዳዲ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ይሽየጥ እኳ እንተሎ፣ ነዚ ንምቁጽጻር ዝተወስደ ስጉምቲ ብዘይምህላዉ፣ እቲ ዋሕዲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዝያዳ ብኢሱ ምህላዉ ተገሊጹ።

ካብዘን መዐደሊ ነቑጣታት፣ ብለይቲ ብበራሚል ተጻዒኑ ብብዝሒ ነዳዲ ይጓረት ከምዘሎ’ውን እቲ ጸብጻብ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እኹል ቀረብ ነዳዲ ከምዘሎ እኳ እንተጠቐሰ፣ ብወደብ ዝኣተወ ነዳዲ ኣብ ምብጽጻሕ ግና ምድንጓይ ከምዝርአ ካልኦት ወገናት የመልክቱ።

ምስ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤርትራ ዝጓረት ዘሎ ነዳዲ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዋሕዲ ኣስዒቡ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ስእሊ፣- ዘ ሪፖርተር

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0