መንግስታት ካርቱምን ካይሮን፣ ንፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ንምቕንጻል መደብ ከምዝነበሮም ዘቃልዕ ሓበሬታ ተዘርጊሑ

መንግስታት ካርቱምን ካይሮን፣ ንፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ንምቕንጻል መደብ ከምዝነበሮም ዘቃልዕ ሓበሬታ ተዘርጊሑ

Radio Erena: 23 June 2015

salva

መንግስታት ካርቱምን ካይሮን፣ ንፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ንምቕንጻል መደብ ከምዝነበሮም ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዝለሓዅ ሓበሬታ ኣቃሊዑ።

እቲ ምስ ዊኪ ሊኪስ ተተሓሒዙ ከምዝለሓዅ ዝግለጸ ዘሎ ሓበሬታ፣ ድሕሪ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ንመራሒ እት ሃገር ንምቕንጻሉ፣ ሱዳን ግብጽን ውጥነ ከምዝነበረን ብዝርዝር ኣቕሪቡ ኣሎ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ብዛዕባ ሱዳንን ግብጽን ዝርከቦ፣ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ልሑኹ ዝተባህለ ልዕሊ 61 ሽሕ ዘጠቓለለ ሓበሬታ ሓቕነት ከምዘይብሉ ነጺጋቶ ኣሎ።

 

መንግስታት ሱዳንን ግብጽን ይኹኑ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ’ዚ ልሑኹ ዝተባህለ፣ ንፕረዚደንት ሳልቫኪር ናይ ምቕንጻል መደብ ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃባሉን።

ካን ናይ ደቡብ ሱዳን ዜና ከይወጻእና፣ 15 ሚልዮን ዶላር ኣጠፋፊኡ ዝተባህለ ሓላፊ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ።

እቲ ጆን ኣጉ ዝተባህለ መኮነን ጸጥታ፣ ናይ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ማህተም እናተጠቕመ ልዕሊ 15 ሚልዮን ዶላር ጥረ ገንዘብ ከምዘውጽአ ተኸሲሱ’ዩ ኣብ ቀዲ ኣትዩ ዘሎ ።

መብዛሕቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብብልሽውና ዝጥርጠሩ እኳ እንተኮኑ፣ ኣብታ ሃገር ተጎሃሂሩ ዘሎ ግጭት ካብ ክሲን ማእሰርቲን ሽፋን ኮይንዎም ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0