መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተኣኻኸብሉ ካሌ ንምዕናው ካብ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ይጽበ

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተኣኻኸብሉ ካሌ ንምዕናው ካብ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ይጽበ

Radio Erena: 24 February 2016

Cal

መንግስቲ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ተኣኻኪቦም ንዘለዉ ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ብግዴታ ንምእላዎም ዘቕረቦ እማመ ከይትግበር ብቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተደናጉዩ።

ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብዎም ኣስታት 5 ሽሕ ስደተኛታት ተኣኻኺቦምሉ ዘለዉ፣ ብ”ጣሻ” ዝፍለጥ ዘይወግዓዊ መዓስከር ክዓኑ መንግስቲ ፈረንሳ ዝሓለፈ ሰሙን እኳ እንተወሰነ፣ ካብ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

እቲ መንግስቲ፣ ንኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ጥራይ ከዕቑብ ዝኽእል ብኮንተይነራት ዝተሰርሐ ሓደስቲ ህንጻ ብምድላው፣ ነቲ ስደተኛታት ብትካላት ግብረ ሰናይ ተሓጊዞም ብቴንዳታት ዝሃነጽዎ ዘይሕጋዊ መዓስከር ከዕኑ ምዃኑ’ዩ’ ዘጠንቕቕ ዘሎ።

 

እንተኾነ ኣብ ካሌ ናይ ዝርከቡ ብዝሒ ስደተኛታት ካብቲ መንግስቲ ፈረንሳ ኣዳልይዎ ዘሎ ግዝያዊ መዕቖቢ ብዝተዓጻጸፈ ዝዛይድ ብምዃኑ፣ እቲ መንግስቲ ነቲ ዘይሕጋዊ መዓስከር እንተዕንይዎ፣ ስደተኛታት ናብ ዝኸድዎ ከምዘይብሎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የተሓሳስቡ።

ብሪጣንያ ብሰንኪ እዚ ብካሌ ዝርአ ዘሎ ስግኣት ዋሕዚ ስደተኛታትን ካልእ ቁጠባውን ፖለቲካውን ምኽንያታት ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትስሕብ ምዃና ኣብ እተፈራርሓሉ ዘላ እዋን’ያ፣ ፈረንሳ ኣብ ካሌ ብዘይሕጊ ቆይሙ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ጽኑዕ ስጉምቲ ንምውሳድ ውጥን ከምዘለዋ ተፍልጥ ዘላ።

ይኹን’ምበር ካብ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ውሳኔ ከይረኸበ እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ኣሽሓት ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ዘለዉ ካሌ ከዕንዎ ኣይክእልን’ዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ውሳኔ ክህብ ትጽቢት ኣሎ።

ካሌ ክዓኑን ካብ ዘይሕጋዊ ሰፈራ ከኣ ናጻ ክኸውንን እንተወሲኑ፣ ድሕሪ ደጊም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ብምሕላን ኣብ ካሌ ብኢደ ዋኒኑ ቴንዳ ዘርጊሑ ዝሰፍር ስደተኛ ኣይክህሉን’ዩ።

መንግስቲ ፈረንሳ ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ንዝርከብ ክፋል ካሌ ንምዕናው ካብ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን ከኣ እታ ምስ ዞባ ካሌ ናይ ፈረንሳ እትዳወብ ቤልጁም ዶባታ ብምዕጻው ንተጓዓዝቲ መንነት ወረቀት ዝሕተተሉ ግዝያዊ ነቑጣ ኣቝማ ትርከብ።

ካብን ናብን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብዘይ ዝኾነ መንነት ወረቐት ዝካየድ ዝነበረ ናጻ ምንቕስቓስ፣ ብሰንኪ ዕልቕልቕ ስደተኛታት ተሰናኺሉ ይርከብ።
================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0