ዘይሕጋውያን ኣሰጋግርቲ ስደተኛታት ኣብ ምህዳን ተጸሚዳ እትርከብ ኢጣልያ፣ ናብ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ሰዲዳ

ዘይሕጋውያን ኣሰጋግርቲ ስደተኛታት ኣብ ምህዳን ተጸሚዳ እትርከብ ኢጣልያ፣ ናብ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ሰዲዳ

Radio Erena: 24 February 2016

It su

ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ክፍሊ ኢምግሬሽ፣ ክፍሊ ፖሊስን ጸረ ግብረ ሽበራን ዝተዋጽአ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ፣ ብመንገዲ ሱዳን ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣብ ካርቱም ቀንዩ።

እቲ ብ15 ለካቲት ናብ ሱዳን ዝኣተወ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ሓለፍቲ ጸጥታን ፖሊስን ምስ ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን ሱዳን ተዘራሪቡ።

ብዘይካ’ዚው’ን እቲ ልኡኽ ኣብ ሱዳን ምስ ዝርከቡ ወከልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)ን ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታትን (IOM)ን ከምዝተዘራረበ መግለጺ መንግስቲ ኢጣልያ የመልክት።

 

እቲ ብጸሓፊ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ዶመኒኮ ማንዚዮነ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢጣልያ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ናብ ዝርከብ መዓስከር ወዲ ሸሪፈ’ውን ዑደት ኣካይዱ።

ኢጣልያ፣ ብመንገዲ ሱዳን ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ከም ኣውራ እተተኩረሉ ዘላ ነጥቢ፣ ካብ ሱዳን ክሳብ ኤውሮጳ ተዘርጊሑ ንዘሎ መርበባት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ስደተኛታን ደላሎን ምህዳን’ዩ።

እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ቅንይታ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ክነጥፉ ጸኒሖም ንዝበለቶም 10ታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት ኣይርሳዕን።

ኣብ ሱዳን፣ ሊብያን ሃገራት ኤውሮጳን ተዘርጊሖም ዘለው ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ስደተኛታትን ደላሎን ኣስማቶምን ስእሎምን ተጸኒዑ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ምህዳኖም ተዋፊረን ምህላወን ይፍለጥ።

እዚ ወከልቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ፖሊስን ኢጣልያ ኣብ ሱዳን ዘካየድዎ ፍሉይ ምብጻሕ’ውን ምስዚ ዝተኣሳሰረ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።

ሱዳን ብወገና ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምትሕብባርን ዶባት ኣብ ምቁጽጻር ፍሉይ ስልጠና ዝወሰዱ ሓይልታት ብምውፋርን ነቲ ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ከምኡ ድማ ዞባ ዳርፉር ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ መደብ ከምዘለዋ ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ከምዘረጋገጸት መገለጺ መንግስቲ ኢጣልያ ይጠቕስ።

ፍሉይ ልኡኽ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያውያን’ውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ክፍጽም መደብ ከምዘለዎ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይእምቱ።
=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0