መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ጎደናታት ፓሪስ ክሓድሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 2500 ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታታት ኣግዒዙ

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ጎደናታት ፓሪስ ክሓድሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 2500 ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታታት ኣግዒዙ

Radio Erena: 22 August 2017

francee

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ጎደናታት ፓሪስ ክሓድሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 2500 ስደተኛታት ናብ ውሑስ መጽለሊታት ኣግዒዙ።

እቶም ቴንዳታት ብምዝርጋሕ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ፓርክታትን፣ ትሕቲ ባቡራት ዝሓልፋሉ ቢንቶታትን ክሓድሩ ዝጸንሑ ስደተኛታት፣ ኣብ 30 ኣውቶቡሳት ተጻዒኖም ናብ 18 ግዝያዊ መጽንሒ ቦታታት ‘ዮም ግዒዞም ዘለዉ።

ፈረንሳ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት 35 ግዜ ተመሳሳሊ ወፍሪ ብምክያድ፣ ኣብ ጎደናታት ንዝጸንሑ ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ሓድሽ መነባብሮ ንምጅማር ናብ ዘኽእሎም ዝተፈላለያ ከተማታት ከምዘግዓዘቶም ይፍለጥ።

 

እዚ ብዓርቢ 18 ነሓሰ ዝተኻየደ ምስግጋር ኣብ ጎደና ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታታት ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ክካየድ ዝጸንሐ መደባት’ዩ።

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ሓድሽ መስርሕ ከምዝኽተል ዝገልጽ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት 12 ሽሕ ግዚያዊ መጽንሒ ስደተኛታት ክምስረት ምዃኑ’ዩ ተመባጺዑ ዘሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0