መንግስቲ ዩጋንዳ፣ ኣብ ሃገሩ ክንቀሳቐሳ ዝጸንሓ ትካላትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ዓጽዩ

Radio Erena: 22 August 2021
መንግስቲ ዩጋንዳ፣ ኣብ ሃገሩ ክንቀሳቐሳ ዝጸንሓ ትካላትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ዓጽዩ።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዩጋንዳ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እተን በዚ ሓድሽ ሕጊ ፍቓድ ዋኒነን ተሓዲጉ ዘሎ ትካላትን ማሕበራትን፣ 54 ንኣሽቱን ዓበይቲ ፖለቲካውያን ምንቅስቓሳትን እየን።
ንሃይማኖታውያን፣ ትካላት ረዲኤት፣ ኣከባብያውያን ምንቅስቓሳት ዝጸለወ ምእጋድ’ዘን ትካላት፣ ንምክልኻል ደሞክራሲን ኣብ እዋን ምርጫ ከም ተዓዘብቲ ዘገልግላ ማሕበራትን እውን የጠቓልል።
መንግስቲ ዩጋንዳ፣ እተን ትካላት፣ ናይ ስራሕ መምርሒ ሕጊ ዘይተኸተላ፣ ዓመታዊ ግብሪ ዘይከፈላ፣ ከምኡ’ውን ፋይናንስያዊ ጸብጻባተን ዘየቕረባ እየን ዝብል ምኽንያት ሂቡሉ ኣሎ።
ገለ ካብዘን ተዓጽየን ዘለዋ ትካላት፣ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ናብ መድመጺ ነቑጣታት ንክዕዘባ ኣብ ዝወፈራሉ፣ ቤት ጽሕፈታተን ብኣባላት ጸጥታ ተወሪሩ ንብረተን ተዘሚቱ ዝተዓሸጋ እየን።
ላዕለዎት ኣካየድቲ’ተን ትካላት፣ መንግስቲ ዩጋንዳ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብታ ሃገር ደልዲለን ከይቆማ ኣብ እግሪ ተኽለን ክቖጽየን ብምባል እዩ ነቲ ስጉምቲ ወሲዱዎ ክብላ ከሲሰን።
ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝርከብዎ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ነዚ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዩጋንዳ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም ኣለዉ።
ምዕምባብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ሓንቲ ሃገር፣ ምልክት ናጽነትን ደሞክራስያዊ ስርዓተ ሕጊን ብምዃኑ፣ መንግስቲ ዩጋንዳ ነቲ ውሳኔ ክስሕቦ ኣለዎ ከኣ ኢሎም።
ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ፕዚደንታዊ ምርጫ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ዝቖመ ቀንዲ ተወዳዳሪ ሕጹይ ቦቢ ዋይን ብምእሳሩ፣ ብዝተላዕለ ናዕቢ ብዉሑዱ 50 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0