ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብኮቪድ 19 ናይ ዝተጠቕዑ ሰባት ብዝሒ ናብ 7.4 ሚልዮን ክብ ኢሉ

Radio Erena: 22 August 2021

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብኮቪድ 19 ናይ ዝተጠቕዑ ሰባት ብዝሒ ናብ 7.4 ሚልዮን ክብ ኢሉ።
ሺን ሁዋ ካብ ካብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ቁጽሪ ናይቶም በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 187,969 በጺሑ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝሓወዩ ከኣ ልዕሊ 6.5 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ሓቢሩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሞሮኮ፣ ቱኒዝያን ኢትዮጵያን ካብተን ብኮቪድ 19 ብከቢድ ተጠቒዐን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። ብሓፈሽኡ ክረአ እንከሎ፣ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ብከቢድ ዝተጠቕዐ ክፋል እዩ። ምብራቓዊን ማእከላይን ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ክርከብ እንከሎ፣ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንሸሞንተ ተኸታታሊ ሳምንታትን ቁጽሪ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት እንዳዛየደ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ።
ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ብዘውጸኦ ሓበሬታ መሰረት፣ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ መልከፍቲ ኮቪድ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምብዛሕ፣ ካልኦት ተላባዕቲ ሕማማት እውን ማዕረ ማዕረኡ የስፋሕፍሑ ምህላዎም እዩ ኣመልኪቱ።
ብፍላይ ከም ኢቦላን ኮሌራን ዝኣመሰሉ ተላባዕቲ ሕማማት፣ ንክኢላታት ሕክምናን ናውቲ ጥዕናን፣ ሓይሎም ከምዝከፋፈል ስለዝገበሩ፣ ኮቪድ19 ብ198% ንኸስፋሕፍሕ ዕድል ረኺቡ ምህላዉ ይግለጽ።
ብተወሳኺ፣ ምዕራባዊ ኣፍሪቃ፣ ከም ኩለን ክፋላት’ታ ኣህጉር 29 ሚልዮን ክትባት ተለጊሱሉ ክነሱ፣ ናብ ህዝቢ ዝተባጸሐ ግና 38% ጥራይ እዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0