መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ተዅሲ ንምቁራጽ ሓድሽ ቅድመ ኩነት ኣቕሪቡ

Radio Erena: 30 July 2021

መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ሓይልታቱ ምቁራጽ ቶኽሲ ንምትግባር፣ ሓድሽ ቅድመ ኩነት ኣቕሪቡ።

ብመሰረት እቲ ቀሪቡ ዘሎ ቅድመ ኩነት፣ ኣብ ትግራይ ተቋሪጹ ዝርከብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብዝቐልጠፈ ክጅምር፣ ኣብ ልዕሊ መራኸቢታት ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክልዓል፣ ንትግራይ ዝግባእ ባጀት ክልኣኽ፣ ኩሎም መንገድታት ንሰብኣዊ ረዲኤት ክፉታት ክኾኑ፣ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ ደው ክብልን ዝጽውዕ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ቅድመ ኩነታት እዚኣቶም ከምዘተግብር ብመንገዲ ማዕከን ዜናኡ ኣዋጅ እንተዘየሕሊፉ፣ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕታቶም ክቕጽል ምዃኑ፣ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣነጺሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራን ምሊሻታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ከምዝወጹ ብኣህጉራዊ ናጻ ኣካል ክረጋገጽን ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ናይ መሰጋገሪ ናይ ፖለቲካ መድረኽ ክጅምርን እቲ መግለጺ ሓቲቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0