መንግስቲ ኬንያ ብስለያ ዝጠርጠሮም 77 ቻይናውያን ቀይዱ

መንግስቲ ኬንያ ብስለያ ዝጠርጠሮም 77 ቻይናውያን ቀይዱ

Radio Erena: 09 December 2014

Chinken

መንግስቲ ኬንያ ብስለያ ሓያሎ ኤምባሲታት ዝጠርጠሮም 77 ቻይናውያን እብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እቶም መንግስቲ ኬንያ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩዎም ዘሎ ዜጋታት ቻይና፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከተማ ናይሮቢ ብፍላይ ናብ ኤምባሲታት ቅርበት ኣብ ዘለዎ መንበሪ ኣባይኢ ብምክራይ ዝተራቐቐ ናይ መጸናጸኒ ኤሌክትሮኒካዊ ኣቕሑ ተኺሎም ከምዝጸንሑ ፖሊስ ኬንያ የመልክት።

ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተቐይዶም ዘለዉ ቻይናውያን፣ ኣብ ጥቓ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣብ ዝተኻረዮ መንበሪ ቤት ሓደጋ ባርዕ ድሕሪ ምግጣሙ፣ ንጠንቒ እቲ ባርዕ ንምጽራይ ኣብ ዝተኻየደ መርመራ ናይ ስለያን ምጽንጻንን ኣቕሑ ተተኺሉ ድሕሪ ምርካቡ’ዩ ኣብ ሓያሎ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ቻይናውያን ምክትታል ክካየድ ዝኸኣለ።

 

ኣብ መንበሪ ኣባይቶም ተመሳሳሊ ኣቑሑ ተኺሎም ዝጸንሑን ካልኦት ጥርጡራት ድማ ብኡ ንብኡ ብስለያ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ከምዝኽአሉ ጸብጻብ ኣሶሸትድ ፕረስ የረድእ።

መብዛሕቶም እቶም ተቐይዶም ዘለዉ ቻይናውያን ብዘይካ ቋንቋ ሃገሮም ካልእ ከምዘይክእሉ’ውን ጸብጻብ ፖሊስ ኬንያ ይጠቅስ።

ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን ዘሎ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ዜና ኬንያ ፍረድ ማትያንጊ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን መንግስቲ ቻይና ነቲ ጉዳይ እተጻሪ ጉጅለ ክልእኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0