መንግስቲ እስራኤል ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ዝምለሱሉ መንገዲ ንምንዳይ ሓድሽ መጽናዕቲ የካይድ

        መንግስቲ እስራኤል ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ዝምለሱሉ መንገዲ ንምንዳይ ሓድሽ መጽናዕቲ ንኸካይድ ምስ ሓደ ዘይመንግስታዊ ማእከል ስምምዕ ከምዘካየደ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
         ማዕከን ሓበሬታ ሃረዝ ንመንግስታዊ ምንጭታት’ታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ማእከል ፖሊሲ ስደተኛታት ዝተባህለ ትካል ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብምዝርራብ ንኩነታት ምምላስ ኤርትራውያን ከጣጥሕ ከምዝተመዘ ኣመልኪቱ።

         ከባቢ 13 ሽሕ ዶላር ባጀት ተሰሊዑሉ ስርሑ ክጅምር ዝዳሎ ዘሎ እቲ ማእከል፣ ቅድሚ ሕጂ ብብዙሓት ኣህጉራውያን ትካላትን መንግስታውያን ማሕበራትን ዝተነጽገ ጸብጻባት ደንማርክን ብሪጣንያን ምርኩስ ብምግባር፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ቁጠባ ደኣምበር ምስ መንግስቶም ዝኾነ ፖለቲካዊ ጸገም የብሎምን ክብል’ዩ ዝገልጽ።

          መራቭ ኣብራሃምስ ምስ ጋዜጣ ሃረዝ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፣ እቲ ዘካይዶ መጽናዕቲ ካብ ኣህጉራውያን ትካላት ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣንጻር ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘዳለዎ ጸብጻቡ ንኣባላት ክነሰት ከምዘቕረበ ይሕብር።

          ነቲ ዝተሰለዐ ባጀት ኣብ ምውጻእ ብንጡፍ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ዝንገረሉ ዮናታን ያኮቦቪች ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ‘ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ደኣምበር ፖለቲካዊ ጸገም ስለዘይብሎም፣ እስራኤል’ውን ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝገብሮኦ ዘለዋ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዝርራብ ነቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክትመልሶም ኣለዋ ይብል።

          ሆት ላይን ዝርከቦም ተጣበቕቲ መሰላት እስራኤል ነዚ ሓድሽ መደብ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም ኣለዉ። ብፍላይ ማእከል ፖሊሲ ስደተኛታት ፖለቲካዊ ተልእኾ ስለዘለዎ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘይሻራዊ ኮይኑ ክሰርሕ ከምዘይክእል ይገልጹ።

          እስራኤል ክሳብ 2013 ዝኾነ ናይ ዑቕባ ሕቶ ከይተቐበለት እያ ጸኒሓ። ብድሕሪኡ ዝጀመረ እውን ፖለቲካዊ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ስደተኛታት 0.1 ሚእታዊት ማለት ካብ 8,500 ሰባት ንሸሞንተ ጥራይ እያ ተቐቢላ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0