ባይቶ ጸጥታ ዞባ ዳርፉር ዝነበረ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ንዝበዝሐ ክፋሉ ክስሕቦ ምዃኑ ኣፍሊጡ

         ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ዝነበረ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ንዝበዝሐ ክፋሉ ክስሕቦ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ካብቲ ኣብ ዳርፉር ተዋፊሩ ዘሎ 19 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ብልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ክጎድል ምዃኑ ብምሉእ ድምጺ ዝወሰነ ባይቶ ጸጥታ፣ ቀንዲ ምኽንያቱ እቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ምጉዳል ባጀት ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ ኒው ዮርክ ታይምስ ይሕብር።
ሓድሽ ባጀት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክጸድቕ ትጽቢት ይግበረሉ።

          ኣቦ ወንበር’ቲ ውድብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ቅልውላው ዳርፉር ሃዲኡ ስለዘሎ ቁጽሪ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት እንተነከየ ጸገም ከምዘየምጽእ ሓቢሩ። እንተኾነ ኣብቲ ዞባ ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለው በርጌሳውያን ማሕበራት፣ ብዘይ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ነቲ ካብ ቤት ንብረቱ ተመዛቢሉ ዘሎ ልዕሊ 3 ሚልዮን ህዝቢ ዳርፉር ኣገልግሎት ምሃብ ኣሸጋሪ ከምዝኾነ የመልክቱ።

           ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ነዚ ናይ ባይቶ ጸጥታ ውሳኔ ብሓጎስ ከምዝተቐበሉ ገሊጹ። እቲ ፕረዚደንት ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ካብ ዝቐረበሉ ቀንዲ ጉዳይ፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ምስ ዝተኻየደ ህልቂት ሰላማዊያን ሰባት ብዝተሓሓዝ እዩ ተኸሲሱ።

             ኣብ ዳርፉር ዓስኪሩ ዝጸንሐ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውሕስነት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ምሕላው ዝግብኦ ተራ ኣይተጻወተን ክብሉ ሓያሎ ወገናት ክኸሱ ጸኒሖም’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0