መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ጉዳይ’ቶም መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ምስ ሕ/ሃ ደጊሙ ይዘራረብ

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ጉዳይ’ቶም መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ምስ ሕ/ሃ ደጊሙ ይዘራረብ

Radio Erena: 11 May 2018

arye dery

እስራኤል ንጉዳይ’ቶም መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ምስ ሕቡራት ሃገራት ደጊማ ትዘራረበሉ ከምዘላ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣርየ ደሪ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ማዕከን ዜና ዋይ ኔት ኒውስ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ እቲ ሚኒስተር ነዚ ዘፍለጠ፣ ንካቢነ ሚኒስተራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኮይኑ፣ እቲ ዝርርብ፣ እቲ ኣቐዲሙ ተበጺሑ ዝነበረ’ሞ ኣብ ሓደ መዓልቱ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሰረዘ ስምምዕ ንምምሕያሹ ዘንቀደ’ዩ።

እንተኾነ ዛጊት ኣብ ውዱእ ነገር ክብጻሕ ከምዘይክኣለ’ውን ሚኒስተር ኣርየ ደሪ ጠቒሱ።

 

መንግስቲ እስራኤል፣ ነቶም መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብግዴታ ካብታ ሃገር ንምውጽኦም ዝገብሮ ዘሎ ፈተነታት ብኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገርን ተቐባልነት ድሕሪ ምስኣኑ፣ ፍርቆም ናብ ካናዳን ሃገራት ኤውሮጳን ክጣየሱ ፍርቆም ድማ ኣብ እስራኤል ሕጋዊ ናይ ዑቕባ ፍቓድ ክወሃቦም ኣብ ዝብል ነጥቢ ምስ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስምምዕ በጺሑ ምንባሩ ይዝከር።

ይኹን’ምበር ነቲ ስምምዕ ዝኸተመ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ፣ ካብ ሕሉፋት የማናውያን እታ ሃገር ብዝተገብረሉ ጸቕጢ፣ ነቲ ስምምዕ ንጽባሒቱ ከምዝሰረዞ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓቢሩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0