‘መንግስቲ ኤርትራ ክሸጦ’የ ዝብሎ ዘሎ ኣባይቲ ፖለቲካዊ ደገፍ ዲያስፖራ ንምርካብ’ዩ’ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ

መንግስቲ ኤርትራ ብስም ባንክ ንግድን ኣባይቲን ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኤርትራውያን መንበሪ ኣባይቲ ብኤውሮ ክሸጠሎም ኣውጺእዎ ዘሎ ሓድሽ ውጥን፣ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ጥራይ ንምርካብ ዘይኮነ፣ ፖለቲካዊ ደገፍ ዳያስፖራ’ውን ንምርካብ ዝዓለመ’ዩ ክብል ሓላፊ ትካል ሸርፊን ሓዋላን ሂምቦል ነበረ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ገሊጹ።

 

ኣቶ ክብሮም ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ውጥን መሸጣ ኣባይቲ ኣመልኪቱ ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘካየዶ ዝርዝራዊ ቃለ መሕትት፣ መንግግግስቲ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ጥራይ የድልዮ ኔሩ እንተዝኸውን ነቲ ደው ኣቢልዎ ዘሎ ትካላት ሓዋላ’ውን ምኸፈቶ ክብል ኣረዲኡ።

ትካላት ሓዋላ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታዊ ልዕሊ300 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ናብ ኤርትራ ይሕወል ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣቶ ክብሮም፣ ኣብዚ እዋን እዚ ግና ካብ 5 ሚልዮን ዶላር ከምዘይበዝሕ’ዩ ሓቢሩ።

ጠንቂ ናይዚ ድማ ህዝቢ ብጸሊም ዕዳጋ ይሕውል ስለዘሎ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓደ ሚእቲ ኤውሮ ብጸሊም ዕዳጋ 6 ሽሕ ናቕፋ ክሽረፍ እንከሎ ኣብ ባንክ ድማ ንሓደ ሚእቲ ዶኣር 1800 ናቕፋ’ዩ ዝሽረፍ ዘሎ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0