‘መንግስቲ ኤርትራ ካብ ተነጽሎ ተገላጊሉ ናብ ቁጠባዊ ምዕባለ ከቛምት’ዩ ዝደሊ’ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

መንግስቲ ኤርትራ ካብዚ ገጢምዎ ዘሎ ተነጽሎ ተገላጊሉ ናብ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ከቛምት ከምዝደሊ ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ የማን ገብረመስቀል ምግላጹ AFP ሓቢሩ።

 

ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ የማን ገብረምስቀል፣ ኣብቲ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ንመጀመርያ እዋኑ ንናይ ወጻኢ ጋዜጠኛ ዝሃቦ መግለጺ፣ ጠንቑ ዝሕታለ ቁጠባ ኤርትራ ናይ ግዳም ተጻብኦታት ምዃኑ ብምጥቃስ’ዩ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ተነጽሎ ተጋላጊሉ ናብ ምዕባለ ከቛምት ከምዝደሊ ዝገለጸ።

ተነጺልና ክንበር ዝከኣል ኣይኮነን፣ ብልግና ዝርከብ ምስ ጎረባብትካ ንግድ ከተካይድ ዝፈጥር ሃዋሁ ምስ ዝህሉ ጥራይ’ዩ ዝበለ ኣቶ የመነ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም ግና ኣይሓገዘናን ክብል’ዩ ኣማሪሩ።

እንተኾነ ምሉእ ኣድህቦ’ቲ መንግስቲ ኣብ ምክልኻል ጥራይ ከምዘተኮረ ኣይሓብአን።

ንጉዳይ ምርጫን ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣመልኪቱ ካብ AFP ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ፣ ናይ ኵናት ስግኣት ኣንጸላልዩ ስለዝነበረ ምርጫ ክካየድ ከምዘይክኣለ’ዩ ዝጠቕስ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ሃዋሁ ኣብ ዘላትሉ እዋን ምርጫ ምክያድ ዘይሕሰብሉ ዘሎ ምኽንያት ግና ዝኾነ መብርሂ’ውን ኣይሃበሉን።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ናብ ዘይብሉ ግዜ ክናዋሕ ዝገበረ’ውን ኣብ ናይ ኵናት ሃዋሁ ስለዘላ’ዩ እኳ እንተበለ፣ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብሰንኪ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣሽሓት መንእሰያት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ኣለዉ ንዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ ግና እዚ ብዙሕ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣይኮነን ክብል’ዩ መሊሱ።

ሃገር ኣልሚሱ ዘሎ ዋሕዚ ስደት ኤርትራ ብዓይኒ መንግስቲ ኤርትራ ኣገዳሲ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፣ ነቲ ንሃገር ይሓልይ’የ ዝብል ዘሎ መንግስቲ ዘገድሶ ኣውራ ጉዳይ ዕድመ ስልጣን ጥራይ ምዃኑ ዘነጽር’ዩ ክብሉ ሓያሎ ኤርትራዉያን ንመግለጺ ኣቶ የማነ ይቓወምዎ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0