መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር’ቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበሉ ክሲ ጽዑቕ ዘመተ የካይድ

መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር’ቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበሉ ክሲ ጽዑቕ ዘመተ የካይድ

Radio Erena: 29 December 2015

CIO

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣንጻር እቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝቐረበሉ ክሲ ጽዑቕ ዘመተ ጀሚሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ወጻኢ ናብ ዝርከባ ኤምባሲታት ኣመሓላሊፍዎ ብዘሎ ሓበሬታ፣ እቶም ድሕሪ ናጽነት ካብ ኤርትራ ዝወጹ፣ ብፍላይ እቶም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙ፣ ኣብ ኤርትራ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝነበርሉ ዝኾነ ዓይነት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይኹን ናይ ጉልበት ምዝመዛ ከምዘይበጽሖምን ብክታሞም ከረጋግጹ ዝብል’ዩ።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ምስ ኤምባሲታት ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዎም ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ምዃኑ ኣሚኖም ከምዝተሳተፉን፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምንባሮም ከኣ ዝኾነ ተቓውሞ ከምዘይነበሮምን ኣብ ዝገልጽ ሰነድ ክታሞም ከንብሩ ክሕተቱ’ዮም።

ብመሰረት እዚ ጀሚሩ ዘሎ ዘመተ፣ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ መንእሰያት ክታሞም ዘንበርሉ ሰነዳት፣ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ናብ መርማሪት ኮሚሽንን ክልኣኽ’ዩ።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፣ ንኣስታት 600 ኤርትራውያን ብምዝርራብ ኣብ ዘዳለወቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎን፣ መብዛሕቶም እቶም ኤርትራውያን ከኣ ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ምዃኖም’ያ ጠቒሳ።

መንግስቲ ኤርትራ በንጻሩ፣ ነዚ ዝቐረበ ጸብጻብ ዝጻረር ናይ ኣስታት 6 ሽሕ መንእሰያት ክታም ዝሓቖፈ ሰነደ ብምድላው ነቲ ጸብጻብ ክቓወሞ’ዩ።

ነዚ ንምትግባር፣ እቲ ዘመተ ድሮ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጀሚሩ ከምዘሎን፣ ድሕሪ ናጽነት ናብታ ሃገር ዝኣተዉ መንእሰያት ነቲ ሰነድ ንምኽታሞም ብዓርቢ 25 ታሕሳስ ኣብ ሪያድ ኣኼባ ከምዝተገብረሎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ድሕሪ ናጽነት ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኣተዉ ኩላቶም ኤርትራውያን ካብ 21 ታሕሳስ 2015 ክሳብ 10 ጥሪ 2015 ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ንግሆ ሰዓት 8 ክሳብ 11 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ማሕበረኮም ክርከቡ’ውን፣ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበቶ ጸብጻብ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ኣረጋጊጻ’ያ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም ንምጽራይ ከኣ ናይ ሓደ ዓመት ተወሳኺ ዕማም ተዋሂቡዋ ይርከብ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0