መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ 2009 ብኣልማማ ዝኣሰሮም ህቡባት ገጠምትን ኣባላት ሬድዮ ባናን ከቢድ ስቓይ የሕልፉ ከምዘለዉ፣ ንኣርባዕተ ዓመታት ምስኦም ተኣሲሩ ዝነበረ ገጣማይ ኣረጋጊጹ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ 2009 ብኣልማማ ዝኣሰሮም ህቡባት ገጠምትን ኣባላት ሬድዮ ባናን ከቢድ ስቓይ የሕልፉ ከምዘለዉ፣ ንኣርባዕተ ዓመታት ምስኦም ተኣሲሩ ዝነበረ ገጣማይ ኣረጋጊጹ

Radio Erena: 27 June, 2014

Tsegay

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ 22 ለካቲት 2009 ብኣልማማ ካብ ዝኣሰሮም ገጠምትን ስነ ጥበባውያንን ዝርከብዎም ኣባላት ሬድዮ ባና፣ ኣብ ማይ ስርዋ ከቢድ ስቓይ ከምዘሕለፉን ኣስታት 30 ካብኣቶም ድማ ዝሓለፈ ዓመት ብዋሕስ ከምዝፈተፈትሑን፣ ሓደ ካብቶም እሱራት ዝነበረ ገጣማይ ጸጋይ መሓሪ ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ኣረጋጊጹ።

ተመርዖ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ገጣሚ ጸጋይ መሓሪ፣ ወዲ 23 ዓመት እንከሎ ብኣልማማ ምስ ሓያሎ ገጠምትን ስነ ጥበባውያንን ከምኡ ድማ ኣባላት ናይታ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ እትውነን ዝነበረት ሬድዮ ባናን ዝነበሩ ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ 2009 ተቐይዱ፣ ፈለማ ናብ ዓዲ ኣቤቶ ድሕሪ ድማ ናብ ማይ ስርዋ ድሕሪ ምውሳዱ፣ ንሽዱሽተ ወርሒ ብዘይዝኾነ መርመራ ኣብ ሸላ ዓጽዮሞም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብድሕሪኡ ከቢድ መርመራ ከምዝተኻየደሎም ሓቢሩ።

 መንግስቲ ኤርትራ ብዘይዝኾነ ክሲ ንኣርባዕተ ዓመታት ቀይድዎም ድሕሪ ምጽናሕ ዝኾነ ገበን ክረኽበሎም ስለዘይክለ ንመብዛሕቶም ብዋሕስን ከቢድ መጠንቐቕታን ዝሓለፈ ዓመት ከምዝፈትሖም፣ ንሱ ድማ ሓደ ካብቶም ብዋሕስ ዝተፈትሑ ምዃኑን ጸጋይ ተመርዖ ኣብቲ ምስ ሬድዮ ኤረና ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ኣረዲኡ።

ካብቶም ኣብ 2013 ብዋሕስን ከቢድ መጠንቐቕታን ዝተፈትሑ፣ ኣብ ስነጥበብ ዝነጥፉ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ኢሳቕ ኣብራሃምን ምሉእብርሃን ሃብተገብሪኤልን ዝርከብዎም ኣስታት 30 ክፍትሑ እንከለዉ፣ ዛጊት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝሳቐዩ ዘለዉ ድማ ህቡባት ገጠምቲ ይርግኣለም ፍስሃ፣ መለስ ንጉሰ፣ ደራስን ጋዜጠኛን በረኸት ምስግና፣ ግርማይ ኣብርሃም፣ ጴጥሮስ ተፈሪን ባሲሎስ ዘሞን ይርከብዎም።

እዞም በብውልቆምን ብጉጅለታትን እናተጠርነፉ ኣብ ስነ ጽሑፍ ሃገርና ዓቢ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስነጥበባውያን፣ ቀንዲ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ዝፍለጥ ነገር እኳ እንተዘየለ፣ ኣብ መንእሰያት ምንቕቓሕ ከይፈጥሩ ዝብል ስግኣት ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።

ነቶም ኣብ 22 ለካቲት 2009 ዝኣተስሩ 39 ኣባላት ሬድዮ ባናን ጸሓፍትን ገጠምትን ካብ ዝቐረበሎም ክሲ ድማ፣ ምስታ ካብ ኢትዮጵያ እትፍኖ ሬድዮ ወጋሕታ ምትሕሓዝ ኣለኩም ዝብል ኮይኑ ካብ ቀንዲ እቲ ዝተኽእየደሎም መርመራታት ድማ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ ርክብ ኣለካ ዶ የብልካን ዝብል ምንባሩ ገጣማይ ጸጋይ ተመርዖ ኣመልኪቱ።

ኣብ ትሕቲ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ዘይተጠርነፈ ዝኾነ ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ኣብ ኤርትራ ቦታ ከምዘይብሉን፣ ወትሩ ብዓይኒ ስግኣትን ጥርጣረን ከምዝጥመትን ዝፍለጥ’ዩ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0