መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝእክቦ ግብሪ መርመራ ክግበረሉ፤ ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ጸዊዖም

Radio Erena: 06 November 2022

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝእክቦ ግብሪ መርመራ ክግበረሉ፤ ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ጸዊዖም።

እዚ ብ2% ዝፍለጥ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝእከብ ገንዘብ፤ መንግስቲ ኤርትራ ኲናት ንምክያድ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብሉ እዮም እቶም ኣባላት ፓርላማ ዝኸሱ።

ዘ ጋርድያን ን ‘ዘ ሃውስ ኦፍ ሎርድስ’ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፤እቶም ኣባላት ፓርላማ፤ መንግስቲ ብሪጣንያ፤ ኣብ ሃገሩ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝእከብ 2% ጽኑዕን ወግዓዊን መርመራ ከካዪድ እዮም ዝጽውዑ ዘለዉ።

ንሳቶም ብተወሳኺ፤ ብዛዕባ’ቲ ናይ ዝሓለፈን ናይ ሕጂን ብኤምባሲስታት ኤርትራ ዝተኣከበ 2%፤ንመንግስቲ ብሪጣንያ ወግዓዊ ሓበሬታ ተዋሂቡዎ እንተኾይኑ፤ ምላሽ ክወሃቦም ጠሊቦም ኣለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ ብኤምባሲታቱን ካልኦት ወከልቱን ኣቢሉ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝወስዶ ግብሪ፤ ንዳግመ ህንጻ ሃገር ተባሂሉ ዝእከቦ እኳ እንተኾነ፤ንመዓላኡ ብዝምልከት ጸብጻብ ሂቡ ኣይፈልጥን።

ከምዝዝከር ኣብ 2011 ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ መንግስቲ ኤርትራ ዝእክቦ 2% ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምንዋጽ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ኮኒኑዎ እዩ።

ኣቐድም ኣቢሉ መንግስቲ ብሪጣንያ፤ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ድሕሪ ምዝርራቡ፤ ናብ ኤምባሲ ኬድካ ብቐጥታ ምኽፋል እኳ እንተነከየ፤ ብዘይቀጥታዊ መንገድታት እቲ መስርሕ ምኽፋል ከምዘይተረፈ ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ገሊጾም።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ምኽፋል ግብሪ 2% ብዝምልከት ዝኾነ ጸብጻብ ሂቡ ስለዘይፈልጥ፤ ዓመታዊ ክንደይ ኣታዊ ይረኽበሉ እውን ዝፍለጥ ነገር የለን።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0