ኢትዮጵያ፣ ህዩማን ራይትስ ዎች፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ተዓዛቢ ጉጅለ ክልእኽ ጻውዒት ኣቕሪቡ

Radio Erena: 06 November 2022

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ግርጭታቶም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሕዎ ምስምሞዖም ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ናይ ሓጎስ መግለጺታት ኣብ ዝውሕዘሉ ዘሎ እዋን፤ ህዩማን ራይትስ ዎች፤ መተሓሳሰቢ ኣቕሪቡ።

እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ መሰላት ኣብ ዘቕረቦ መተሓሳሰቢ፤ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ብግቡእ ክሰርሕ እንተኾይኑ፤ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ናጻ ዝኾኑ ናቱ ተዓዘብቲ ኣብቲ ዞባ ክልእኽ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ናይ ኲናት ዓመታት ብኩሎም ወገናት ዝተራእየ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዕንወትን ከይድገም ዝፍራሕ እንተኾይኑ፤ ብቀረባ ዝከታተል ኣካል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብቲ ዞባ ክዋፈር ህዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ።

እቲ ዝዋፈር ጉጅለ፤ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ክከታተል፤ ኣብቲ ዞባ ክንቀሳቐሱ ንዝደልዩ ጋዜጠኛታት ውሕስነት ከምዘለዎም ምርግጋጽ፤ ከምኡ’ውን ኩሎም ወገናት ነቲ ዝፈረሙሉ ስምምዕ ከምዘኽብሩ ምርግጋጽ፤ ገለ ካብ ዕማማቱ ክኸውን ጻውዒት ቀሪቡ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ጉዳዮም ብዘተ ክፈትሑ እኳ እንተተሰማምዑ፤ ብፍታዎም ዝኣተዉዎ ስምምዕ ብዘምዃኑ፤ ተግባራውነቱ ኣጠራጣሪ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ሻቕሎቶም ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0