መንግስቲ ኤርትራ ንሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ዝኣተዎ መብጻዓ ከምዘየተግበረ ብሪጣንያ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 23 July 2017         

         መንግስቲ ኤርትራ ንሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕቡራት ሃገራትን ዝኣተዎ መብጻዓ ከምዘየተግበረ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።
           ንሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራስያዊ ምዕባለን ሃገራት ብዝምልከት መንግስቲ ብሪጣንያ ዓመታዊ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻቡ ኣብ ኤርትራ ገና ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ምግሃስ መሰላት ሃይማኖትን ናጽነት ፕረስን ወላሓንቲ ምምሕያሽ ከየርኣየ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይሰግር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

         ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ኣተኩሮ ጌራ ክትሰርሓሎም ዝጸንሐት ሰለስተ ነጥብታት ማለት፣ ቀዳማይ ኩነታት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ንዘይተወሰነ ግዜ ምንውሑን፣ ካልኣይ ምሉእ ተግባራውነት ቅዋም፣ ሳልሳይ ከኣ ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ብምትሕብባር ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ዓመታዊ ጸብጻብ፣ ብሪጣንያ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ብምትሕብባር ክትሰርሕ እኳ እንተጸንሐት፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግና ዝኾነ ናይ ምምሕያሽ ምልክታት እውን ከምዘይተራእየ ገሊጹ።
         መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ ቅዋም ኣብ ምንዳፍ ከምዘሎ ገሊጹ’ኳ እንተኾነ፣ ነዚ ዝምስክር ዝኾነ ምልክት ከምዘየለ እቲ ጸብጻብ የመልክት።
         ንዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ብዝምልከት መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክተሓባበር ድሉው ምዃኑ ኣብ ዋዕላ ካርቱም ምግላጹ ዝዝከር ክነሱ፣ ኤርትራ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ስደተኛታት ዘፍርያ ዘለዋ ሃገራት ዓለም ኮይና ትቕጽል ኣላ፣ ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ሕሱም ኣተሓሕዛ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ንሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝገለጸ እቲ ካብ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻብ የመልክት።
          ኣብ 2016 መንግስቲ ኤርትራ ምስ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ናይ ምትሕብባር ቁሩብ ምልክት ኣርእዩ ምንባሩ ዝነኣድ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፣ ምስ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ናይ ኣርባዕተ ዓመት ስምምዕ ከምዝተፈራረመ ኣዘኻኺሩ።
          ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ 2017 መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንኽመሓየሽ ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ክሰርሕ፣ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ከኣ ናይ ስራሕ ዕድላት ክኸፍቱ ዝኽእሉ ፕሮጀክታት ንምጅማር ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክሰርሕ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0