መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ብምጥቃም፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ፍርሂ ከእቱ ይፍትን

Radio Erena: 10 November 2019

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝተፈናጨለ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ብምጥቃም ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ራዕድን ፍርሕን ከም ዝነግሶም ይገብር ከም ዘሎ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ገለ ኤርትራውያን ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።

ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተልን ንድሕነቶም ዑቕባ ዝህብን ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰጋገሩ ዝሰርሕ ብኣራ ዝፍለጥ ኣካል’ቲ መንግስቲ፣ ስርሑ ዳርጋ ኣደስኪሉ ምህላውን ብሰንኩ ከኣ ኣብ ሰንፈላል ከም ዘለው’ውን ገሊጾም።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ብከም ብርጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ) እንዳ ተመርሑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብስም ውልቀሰባት ቪላ እንዳ ተኻረዩ ኣገደስቲ ሰባት ይጨውዩ ከም ዘለው’ውን እቲ ሓበረታ የመልክት።

ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ሰለስተ ማለት ብተጋሩ፡ ኣምሓሩ ከምኡ ውን ኦሮሞ ብዝብል ውሽጣዊ ዘይወግዓዊ ምክፍፋላት ተገማሚዑ ከም ዘሎን ናይ ሓድሕዶም ፖለቲካውን ስለያውን ጸጥታዊ ውሕስነትን ልዕልነትን ንምርግጋጽ ተጸሚዶም ከም ዘለው ይግለጽ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዓስኪሩ ዝጸንሐን ልኡም ምንቅስቓስ ዝጸንሖን ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ሓይልታት ድማ ኣብታ ሃገር ባይታ ይስእን ብምህላው ቀስ ብቐስ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ይግዕዝ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ኢድ ብምእትእትታው ዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ዝደለዮ ክገብር ዕድል ፈጢሩሉ ምህላው እዞም ስግኣት ሓዲርዎም ዘሎ ዜጋታት ኤርትራ ገሊጾም።

ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ስደት ብዝረከቡ ዜጋታት ካብ ዝጅመር ንደሓር ህግደፍ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቑ ከም ዝርከብን እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ብመንገዲ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ከይልሑኽ ስግኣት ከም ዝሓደሮ ይሕበር። ስለዚ ድማ ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ነዚ ምንቅስቓስ ኣሐይሎም ናብ ኤርትራ ከሰጋግርዎ ዝደልዩ ዘለው ዲሞክራስያውያን ሓይልታት እግሮም ከምቲ ልሙድ ኣብ ኢትዮጵያ ከይረግጽ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ጀሚሮም ዝጸናጸኑ ሓይልታት ጸጥታ የዋፍር ከም ዘሎ ይንገር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0