መንግስቲ ኤርትራ ብጉዳይ የመን ብዝምልከት ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ደብዳቤ ልኢኹ

መንግስቲ ኤርትራ ብጉዳይ የመን ብዝምልከት ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ደብዳቤ ልኢኹ

Radio Erena : 25 March 2015

erisausi

መንግስቲ ኤርትራ ብጉዳይ የመን ዝምልከት ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ደብዳቤ ልኢኹ።

ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት፣ ንኹለን እተን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ሻቕሎት ፈጢሩለን ኣብ ዘሎ ግዜ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ የመን ዘለዎ ኣመለኻኽታ ንምግላጽ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ተሓቢሩ።

ነቲ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝተላእከ ደብዳቤሰንበት 22 መጋቢት ናብ ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ሙርቒን ዓብደልዓዚዝ ኣል ስዑድ ዘብጽሐ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ስዑዲ ኣቶ መሃመድ ዑመር ማሕሙድ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ኣብ የመን ዝርአ ዘሎ ፖለቲካውን ወትሃደራውን ምዕባለታት ብዝምልከት ናብ መራሕቲ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ኣል ሞኒተር ዝተባህለት ጋዜጣ ግብጺ ምግላጻ ዝዝከር’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ ምስ ሃገራት ወሽመጥ ብምዃን፣ ንተቓወምቲ ሑቲን መንግስትን ኣብ ከተማ ሪያድ ንምዝርራብ ጻዕርታት ተካይድ ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ንጸጥታ ባብ ኤልመንደብ ብዝምልከት ግብጺ ቅልጡፍ ስጉምታት ክትወስድ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ የመን ነበር ርያድ ያሲን ጸዊዑ።

ተቓወምቲ ሑቲ ነታ ናብ ባብ ኤልመንደብ ቅርበት ዘለዋ ከተማ ጣይዝ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ ዝቕጽል ገስጋሶም ነቲ ጎረሮ መላእ ዓለም’ዩ እናተባህለ ዝዝረበሉ መጻብቦ ባብ ኤልመደብ ንምቑጽጻ ክግስግሱ ይክእሉ’ዮም።

erisa

እቶም ተቓወምቲ ንባብ ኤልመደብ እንተዓጽዎም ድማ ግብጺ፣ ኣብ የመን ወትሃደራዊ ምትእትታው ክትፍጽም ከምእትኽእል’ያ ተጠንቕቕ።

ባብ ኤልመንደብ እንተተዓጽዩ፣ ነታ ብመንገዲ ስዌጽ ካናል ካብ ዝሓልፋ ንግዳዊ መራኽብ ቢልዮናት ዶላራት ግብሪ እትእክብ ግብጺ ናይ ህላወ ስግኣት ክፈጥረላ ከምዝክእል’ዩ ዝግለጽ።

ስትራቴጅያዊ ማያዊ ክፋል ባብ ኤልመንደብ ንምቁጽጻር ኣብ የመን መዓስከራት ዝነበረን ኣመሪካን ብሪጣንያን ብሰንኪ ገስጋስ ተቓወምቲ ሑቲ ሰራዊተን ስሒበን ኣለዋ።

ባብ ኤልመንደብ ንኤርትራ ጅቡትን የመንን ኣብ ዘዋስን ማያዊ ክፋል ቀይሕ ባይሕ ባሕሪ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ሃገራት ምዕራብ ውሕስነት መራኽበን ንምሕላው ነቲ ልዑል ስትራቴጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ባብ ኤልመንደብ ንምቁጽጻር እንኮ ጠመትአን ጅቡቲ’ያ ኮይና ዘላ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0