ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ምብርካት ንዋሕዚ ስደተኛታት ክገትኦ ይኽእል’ዩ ክብል ገሊጹ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ምብርካት ንዋሕዚ ስደተኛታት ክገትኦ ይኽእል’ዩ ክብል ገሊጹ

Radio Erena : 25 March 2015

Eucom

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ምብርካት፣ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝብእስ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክገትኦ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኮሚሽነር እቲ ሕብረት ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ምዕባለን ነቨን ሚሚካ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገብሮ ዝርርብ፣ እቲ ሕብረት ምስተን ዜጋታተን ብብሒ ዝስደዱ ዘለዉ ሃገራት፣ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን መዳይ ዘተኮረ ርክባት ከካይድ ምዃኑ’ዩ ኣንፊቱ።

እቲ ሕብረት፣ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ብፍላይ ኣብ ጸዓትን ካልእ ጽላታትን ዘተኮረ ሓገዝ ንኤርትራ ከበርክት መደብ ከምዘለዎ’ውን ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኤርትራ፣ ጎኒ ጎኒ ልምዓታዊ መደባት ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራስን ምትሕግጋዝ ክገብር ከምዝደሊ’ዩ እቲ ኮሚሽነር ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ 2007፣ ንሽዱሽር ዓመታት ዝጸንሕ 122 ሚልዮን ዮሮ ሓገዝ ምሃቡ ዝዝከር’ዩ።

 

እዚ ሕጂ ዘተኩሮሉ ዘሎ ልምዓታዊ ሓገዝ ድማ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ዝዓለመ ክውዕል ምዃኑ እቲ ሕብረት ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ኣውራ ጠንቒ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ግና ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ሶርያውያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ኮይኑ፣ ኣብ ዓመተ 2014 ጥራይ ልዕሊ 37 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ጸብጻብ ሮየተርስ የመልክት።

============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0