መንግስቲ ኤርትራ ቀዪዱዎም ዘሎ ዜጋታቱ ሃለዋቶም ከፍልጥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

መንግስቲ ኤርትራ ቀዪዱዎም ዘሎ ዜጋታቱ ሃለዋቶም ከፍልጥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ


መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2001 ኣትሒዙ ቀዪዱዎም ዘሎ ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ሃለዋት ከፍልጥ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።

18 ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት እቲ ባይቶ፣ ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቡዎ ጻውዒት፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ መስርሕ ፍርዲ፣ ዜጋታቱ ምቕያድን ምስዋርን ገና ይቕጽሎ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

እቲ ጉጅለ ክኢላታት፣ ጭቡጥ መርትዖታት ብምቕራብ፣ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ተደጋጋሚ ዘተ ኣብ ዝተኻየደሉ፣ ነዚ ሕቶ’ዚ እኳ እንተቕረበ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ምላሽ ከምዘይረኸበ የፍልጥ።

ደሃይ’ቶም ካብ 2001 ኣትሒዞም ተሰዊሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ጥራይ ዘይኮነ፣ ዋላ ናይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተቐየደ ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ብርሃነ ኣብረሀን በዓልቲ ቤቱ ኣልማዝ ሃብተማርያምን ብዝምልከት ብተደጋጋሚ እኳ እንተሓተተ፣ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ምላሽ ክህቡ ከምዘይተኻእሎም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ኣብ መግለጺኡ፣ ‘’እዞም ኤርትራውያን’ዚኦም ብህይወት ኣለዉ’ዶ የለዉን’’ እትብል ቀላል ሕቶ ኣቕሪቦም ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ምላሽ ብዘይምርካቦም ኣሻቓሊ ጉዳይ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምኽባር መሰል ደቂ ሰብ ከምጽኦ ዘለዎ መሰረታዊ ለውጢ ይጽንሓለይ ዝበሃሎ ጉዳይ ከምዘይኮነ የፍልጥ።

ከምዝፍለጥ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብጉዳይ ሃይማኖታዊ እምነትን ፖለቲካን ብሓሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታቱ ብዘይክስን ፍርድን ብምቕያድ፣ ብሕሱም መግረፍቲ፣ ምስዋር ዜጋታት ዝኣመሰሉ ከበድቲ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘካይድ ብተደጋጋሚ ክስታት ክቐርበሉ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0