ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝለገሶ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ከቋርጾ ሕጋዊ ጻውዒት ቀሪቡ

ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝለገሶ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ከቋርጾ ሕጋዊ ጻውዒት ቀሪቡ


ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝለገሶ ገንዘባዊ ሓገዝ ደው ከብሎ፣ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራውያን፣ ሕጋዊ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

እቲ ኣብ ነዘርላንድስ ዝመደበሩ ተጣባቒ መሰል ደቂሰብ ንሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘቕረበሉ ሕጋዊ ጻውዒት፣ እቲ ሕብረት ንልምዓታዊ ሓገዝ ኢሉ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝለገሶ ገንዘብ፣ እቲ መንግስቲ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣቢሉ ብናጻ ጉልበት ከካዪዶ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ጉልበት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብናጻ ክምዝምዝ ምትብባዕ ስለዝኾነ፣ እቲ ሓገዝ ደው ክብል ኣለዎ ኢሉ።

ሕብረት ኤውሮጳ ንወደብ ባጽዕ ምስ ኢትዮጵያ ንምርኻብ መስመር ጽርጊያ ነፋሲት-ደቀምሓረ-ሰንዓፈ- ዛላምበሳ ንመጸገኒ ዝኸውን ናይ 20 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ከምዘበርከተ ኣቐድም ኣቢሉ ተገሊጹ’ዩ።

ቀንዲ ዕላማ’ቲ ቁጠባዊ ሓገዝ፣ ንመንእሰያት ናይ ስራሕ ዕድል ብምኽፋት፣ ኤርትራውያን ናብ ኤውሮጳ ንስደት ምኻድ ከቋርጹ ዝዓለመ’ዩ ክብል ሕብረት ኤውሮጳ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ፣ ጠንቂ ስደት መንእሰያት ኤርትራ ብቐንዱ ናይ ቁጠባ ጸገም ኣብ ርእሲዘይምዃኑ፣ እቲ ዝተወጠነ ፕሮጀክት ምሕዳስ ጽርጊያ እውን ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጸም ስለዝኾነ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ምሕጋዝ ማለት ኣብ ኤርትራ ምዝመዛ ናጻ ጉልበት ከምዝቕጽል ምግባር ማለት’ዩ ክብል’ዩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራውያን ክሱ ዘቕርብ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0