መንግስቲ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ሕብረት ኤውሮጳ ጸዊዑ

መንግስቲ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ሕብረት ኤውሮጳ ጸዊዑ

Radio Erena: 22 October 2015

Mgorini

ኮሚሽነር ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ሕብረት ኤውሮጳ ፈደሪካ ሞገሪኒ፣ ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዑደታ ብሰሉስ 20 ጥቅምቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ’ያ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ዝጸውዐት።

ሮይተርስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ንሳ ኣብ መግለጺኣ፣ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ውሽጣዊ ኩነታታን ጽገና ክትገብር ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ኣስሚራትሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ውሽጣዊ ጽገና ክገብር እንተኽኢሉ፣ ዋሕዚ ዜጋታታ ናብ ስደት ክሃድእ ይክእል ጥራይ ዘይኮነ፣ ንርግኣትን ጸጥታን እቲ ዞባ’ውን ኣገዳሲ’ዩ ክትብል’ውን ጠቒሳ።

 

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ሓደ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ንምብራት ኣብ ምዝርራብ’ዩ ዝርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዓመታዊ ሚልዮናት ዶላራት ይቕብለ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ሕብረት ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት ከልዕለሉ ስለዝጀመረ ካብ 2011 ኣትሒዙ፣ ነቲ ሓገዝ ክነጽጎ’ዩ ጸኒሑ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0