ወከልቲ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍዎ ዋዕላ ህንድን ኣፍሪቃን ዝመጽእ ሰሙን ክካየድ’ዩ

ወከልቲ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍዎ ዋዕላ ህንድን ኣፍሪቃን ዝመጽእ ሰሙን ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 22 October 2015

Af In

ኣብቲ ካብ 26 ክሳብ 29 ጥቅምቲ ዝካየድ ዋዕላ ኣስታት 40 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ምዃኖም ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ የመልክት።

ካብ ዝበዝሐ ዞባውን ኣህጉራውያን ዋዕላታት ተነጺሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ኣብዚ ናይ ህንዲ ዋዕላ ንኽሳተፍ፣ መንግስቲ ህንዲ ወግዓዊ ዕድመ ኣቀሪቡሉ ኣሎ።

ይኹን’ምበር እቲ ፕረዚደንት ብኣካል ብዛዕባ ምስታፉ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

 

ኣብዚ ንህንድን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ንግድን ቁጠባን ብምትኳር ንሳልስቲ ዝዝቲ ዋዕላ፣ ኣስታት 40መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብኣካል ክሳተፉ ምዃኑም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ከረጋግጽ እንከሎ፣ እቶም 14 ከኣ ወከልቲ ክልእኩ’ዮም።

54 ሃገራት ኣፍሪቃን ህንድን ክሳተፍዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዋዕላ ህንድን ሃገራት ኣፍሪቃን ንመበል ሳልሳይ እዋኑ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ህንዲ፣ ናይ ኣፍሪቃ ዕዳጋታታ ንምዕባይ ምስ ቻይና እትወዳደር ዘላ ሃገር ኮይና፣ ብዝሒ ናይቶም ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምምህርናን ካልእ ሞያን ዝተዋፈሩ ዜጋታታ’ውን ከም ቀንዲ ምንጪ ናይ ወጻኢ እቶት’ያ ትጥምቶ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0