Update: መንግስቲ ኤርትራ ልዕሊ 2 ሽሕ ኣባይቲ ከፍርስ’ዩ

Update: መንግስቲ ኤርትራ ልዕሊ 2 ሽሕ ኣባይቲ ከፍርስ’ዩ

Radio Erena: 16 April 2015

hsdd

መንግስቲ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ጀሚርዎ ዘሎ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ፣ ኣብ ዞባታታት ማእከል፣ ደቡብን ዓንሰባን ልዕሊ 2000 ሽሕ ኣባይቲ ንምፍራስ ወጢኑ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ማይ ነፍሒ፣ ቤት መኻእ፣ ጸሎትን ልዕሊ 500 ኣባይቲ ንምፍራስ ቀይሕ ምልክት ተጌርሉ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ከረንን ከባቢኣን ድማ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኣባይቲ ንምፍራሱ ተመሳሳሊ ምልክት ተጌርሉ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

ኣብ መንደፈራ፣ ደቀምሓረ፣ ሰገነይትን ሰንዓፈን’ውን ንምፍራስ ቀይሕ ምልክት ዝተገብረሉ ኣባይቲ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ እቲ መንግስቲ ካድራቱን ኣመሓደርቲ ከባቢታትን እናዋፈረ፣ እቲ ኣባይቲ ቅድሚ ምፍራሱ ህዝቢ ዚንጎታቱ፣ ሞራለን ካልእ ንብረትን ባዕሉ ክእክብ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ።

 

እቲ መንግስቲ ነዚ ብሰራዊት እናተመርሐ ዘካይዶ ዘሎ ምፍራስ ኣባይቲ ኣብ ህዝቢ ብዙሕ ቒምን ቕርሕንት ኣንቢሩ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ከም ናይ ዓዲ ቀይሕ ተመሳሳሊ ተቓውሞ ህዝቢ ከይገጥሞ ቅድመ ምድላዋት የካይድ ምህላዉ’ዩ ዘመልክት እቲ ዝበጽሓና ዜና።

ካድራት መንግስቲ’ውን፣ እቶም ናይ ጤሳ መሬት ብምሻጥ ንፈረቓ ቤት ዘስርሑ፣ ዓዳጋይ 400 ሽሕ ሸያጣይ ድማ 80 ሽሕ መቕጻዕቲ ብምኽፋል እቲ ናይ ምፍራስ መደብ ደው ክብል ምዃኑ ወረ ከናፍሱ እኳ እንተጸንሑ፣ እቲ መንግስቲ ግና ከምቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዓድታት ዳዕሮ ጳውሎስ፣ ቤት መኻእ፣ ዓዲ ቀይሕን ካልእ ከባቢታትን ዘካየዶ ዘመተ ምፍራስ ኣባይቲ ክቕጽሎ ምዃኑ’ዩ ኣረጋጊጹ ዘሎ።

ብሰንኪ እዚ መንግስቲ ዝፈጸሞ ኣባይቲ ናይ ምዕናው መስርሕ ኣማኢት ስድራቤታት ክከላበቱ እንከለዉ፣ በዚ ተወጢኑ ዘሎ ናይ ኣሽሓት ኣባይቲ ምፍራስ መደብ ከኣ ካልኦት ኣሽሓት ስድራቤታት ምክልባቶም ኣይክተርፍን’ዩ።

===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0