መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣጋጢሙ ንዘሎ ዋሕዲ መድሃኒታት ንምቅላል ካብ ህንዲ ይሽምት

Radio Erena: 03 November 2016

Med

ኣብ ኤርትራ ከቢድ ናይ መድሃኒት ሕጽረታት ኣጋጢምሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ካብ ህንዲ መድሃኒት ይሽምት ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ብሰነድ ኣሰንዮም ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ናይ 2016 ክሳብ 30 ነሓሰ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣስታት 12 ሽሕ ኵንታል ወይ 12 ቶን ዝግመት ዝተፈላለየ መድሃኒታት ብነፋሪት ካብ ቦምበይ ከምዘእተወ ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ፣ ነቲ በብእዋኑ ዘጋጥም ዘሎ ዋሕዲ መድሃኒታት ንምፍታሕ፣ ኣብ ህንዲ ምስ ዝርከባ ኩባንያታት መፍረ መድሃኒት ዝተፈላለየ ስምምዓት ከምዘካይድ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ብቕዓትን ዓቕምን ናይቲ ኣብ ህንዲ ዝፈሪ መድሃኒታት ንክኢላታት ጥርጣረታት ከምዝፈጥረሎም’ዮም ዝሕብሩ።

 ሆስፒታላት፣ ማእከላት ሕክምና፣ ክሊኒካትን ኣብያተ ፋርማሲን ከቢድ ናይ መድሃኒት ዋሕዲ ኣጋጢሙወን ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ካብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ብኮንትሮባንዳ ዝኣቱ መድሃኒታት’ውን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኤርትራ ይሽየጥ ብምህላዉ፣ ህዝቢ ስክፍትኡ ኣብ ምግላጽ ይርከብ።

ኣብ ኤርትራ፣ ከተማ ከረን ተደኵኑ ዝርከብ ትካል መፍረ መድሃኒት ኣዜል፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከምቲ ዝድለ እኹል መድሃኒታት ከፍሪ ከምዘይክኣለ’ዩ ዝንገረሉ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0