ኬንያ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተዋፊሮም ዝነበሩ ወትሃደራታ ትስሕብ

Radio Erena: 04 November 2016

Kenya General

ኬንያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተዋፊሩ ዝነበረ ዓቃብ ሰላም ሰራዊታ ክትስሕብ ጀሚራ።

እታ ሃገር፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራታ ትስሕብ ዘላ፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ንላዕለዋይ ኣዛዚ እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተዋፊሩ ዝነበረ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኬንያ ሌ/ጀ ጆንሶን ሞግኦ ኪማኒ ኦንዲከ ካብ መዝነቱ ስለዝሰጎጎ’ያ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ፣ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ባንኪ ሙን ነቲ ኬንያዊ ጀነራል ካብ መዝነቱ ምስጓጉ ንመንግስቲ ኬንያ ከምዘቖጠዖ ኣረጋጊጹ።

ኬንያዊ ጀነራል ካብ መዝነቱ ዝተባረረሉ ምኽንያት፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ዘጋጠመ ፍሹል ምዕቃብ ሰላም ‘ዩ።

እንተኾነ መንግስቲ ኬንያ፣ ፍሽለት ናይቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘጋጠመ ምዕቃብ ሰላም፣ ተሓታቲ ኬንያዊ ጀነራል ዘይኮነ፣ ዘይቅርዑይ ኣሰራርሓ ስርዓተ ምዕብቃ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ’ያ ትማጎት።

ኣብ ጁባ፣ ዓቃብ ሰላም ኣብ ዝርከቦ ቀጽሪ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዘጋጠመ ዓመጽ፣ ቅትለትን ዘረፋን ብሰንኪ ጉድለት ኣመራርሓ ኬንያዊ ኣዛዚ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

ኣብቲ ካብ 9 ክሳብ 11 ሓምለ ዘጋጠመ ፍሉይ ፍጻመ፣ 100 ዝኾኑ ዑጡቓት፣ ኣብ ከባቢ መዓስከር ዓቃብ ሰላም ናብ ዝርከብ ፣ ትካል ግብረ ሰናይ ብምእታው፣ ሓያሎ ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ፣ ብውሕዱ ንሓሙሽተ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ደቂንስትዮ ከኣ ዓሚጾም።

እቲ ፍጻሜ ብምስጢር ተታሒዙ እኳ እንተጸንሐ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ግና ሓደ ካብ ዓበይቲ ፍሽለታት ዓቃብ ሰላም ኮይኑ ተቓሊዑ ይርከብ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0