መንግስቲ ኤርትራ ኣሲርዎም ዘሎ ጋዜጠኛታት ክፈትሕ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 04 May 2017

Shiela

መንግስቲ ኤርትራ ን16 ዓመታት ደሃዮም ኣጢፍኡዎ ዘሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ክፈትሕ ወይ ሃለዋቶም ክሕብር ጻውዒት ቀሪቡ።

እዚ ጻውዒት ዝቐረብ ዘሎ ብምኽንያት ትማሊ 3 ግንቦት ተዘኪሩ ዝወዓለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ’ዩ።

ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ካብ ፓሪስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ መንግስቲ ካብ 2001 መስከረም ኣትሒዙ ዝኣሰሮም ጋዜጠኛታት፣ ወግዓዊ ክሲ ከይተመስረተሎም፣ ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ፣ ብጠበቓ ከይተወከሉ፣ ምስ ስድራቤታቶም ከይተራኸቡ 16 ዓመታት ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።

ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሸይላ ኪታሩት ብወገና፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፣ ተመሳሳሊ መተሓሳሰቢ ብምቕራብ፣ ናይዚ ዓመት እዚ ተዓዋቲ ናጻ ፕረስ ዩኔስኮ ንዝኾነ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፣ እሱራት ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ጸዊዓ።

ሓያሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ 2001 ብትእዝዛ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝእሰሩ ንደሓር፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ 16 ዓመታት መሊኡ፣ ዛጊት ሃለዋቶም ክፍለጥ ኣይክኣለን።

እዚ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 2001 ዝተፈጸመ ጃምላዊ ማእሰርቲ ሰበ ስልጣን ነበርን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን፣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ሓደ ካብቲ ዘሕዝን ፍጻሜታት ኮይኑ’ዩ ተሰኒዱ ዘሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0