መንግስቲ ኤርትራ፣ ንጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ዘመንበረ ሰገነይቲ፣ ኣባ ፍቕረማርያም ሓጎስ ኣሲርዎም

Radio Erena: 17 October

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ዘመንበረ ሰገነይቲ፣ ኣባ ፍቕረማርያም ሓጎስ ከምዝኣሰሮም ዝተፈላለዩ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ማእሰርቲ ኣባ ፍቕረማርያም፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክገብሮ ዝጸንሐ ጸቕጢን ምፍርራሕን ምዃኑ ዝገለጹ፣ ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ወሃብቲ ርእይቶ፣ ኣቐዲሞም’ውን ካልኦት ካህናንት ድያቆናትን ዝተኣስሩን ዝተገፈፉን ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።

ኣባ ፍቕረማርያም፣ ካብ መገሻ ኣብ ዝምለስሉ ዝነበሩ እዋን፣ ብቀዳም 15 ጥቅምቲ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብሓይልታት ጸጥታ ተኣሲሮም’ዮም ተወሲዶም።

ማእሰርቶም ምስቲ ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ፣ ኣብ ኣኽሩር ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተፈጸመ ግፋ መዘምራን ዝርከብዎም ኣመንቲን ድሒሩ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርግሐ ኣሳእልን ክተሓሓዝ ከምዝኽእል ‘ውን እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ግምታቶም ይህቡ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከም ልሙድ፣ ብዛዕባ ማእሰርቶም ብዝምልከት ነታ ቤተ ክርስትያን ይኹን ንኻልእ ዝመልከቶም ኣካላት ኣይሓበረን።

እቲ መንግስቲ፣ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንዝውነን ናይ ትምህርትን ጥዕናን ትካላት ክህግር ከምዝሓገየ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0