ንኽቕየር ናብ ባንክ ዝተመልሰ ባጤራ ናቕፋ ግብሪ ክኸፈለሉ ዘገድድ ሓድሽ ሕጊ ወጺኡ

ንኽቕየር ናብ ባንክ ዝተመልሰ ባጤራ ናቕፋ ግብሪ ክኸፈለሉ ዘገድድ ሓድሽ ሕጊ ወጺኡ

Radio Erena: 29 July 2016

Nakf

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኽቕየር ናብ ባንክ ካብ ዝተመልሰ ባጤራ ናቕፋ ግብሪ ክኸፈለሉ ዘገድድ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኡ።

እቲ ብብወግዒ ዘይተሓበረ ሕጊ ምኽፋል ግብሪ፣ ነቶም ካብ 100 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ዝመለሱ ጥራይ ዝምልከት ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ምንጭታት ብዝልኣኽዎ ዝርዝራዊ ሓበሬታ መሰረት፣-

   – ካብ 100 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ናቕፋ ኣብ ባንክ ዘለዎም ክልተ ካብ ሚእቲ፣

     – ካብ 500 ሽሕ ክሳብ 2 ሚልዮን ኣብ ባንክ ዘለዎም ሰለስተ ሚእታዊት

     – ካብ 2 ሚልዮን ንላዕሊ ኣብ ባንክ ዘለዎም ከኣ 4 ሚእታዊት ግብሪ ክኸፍልሉ ክግደዱ’ዮም።

 

እዚ መንግስቲ ብዘይወግዓዊ ኣዋጅ ዘተኣታተዎ ግብሪ፣ ባጤራ ናይ ምቕያር መስርሕ ንምስላጥ ንዝባኸነ ባጀት መሐወዪ’ዩ እናተባህለ’ዩ ዝዝረበሉ ዘሎ።

ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣብ ፈለማ ከም ምጉዳል ዋጋታት መሰረታዊ መግብታትን ምትዕርታይ መጠን ናይ ወጻኢ ሸርፊን ዝኣመሰለ እወታዊ ነጥብታት እኳ እንተርኣየ፣ እናጸንሐ ግና ዝበኣሰ ሳዕቤናቱ ይኽሰት ምህላዉ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

ሚኒስተር ቁጠባ ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም ከኣ ብዛዕባ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋን ዝርአ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን ተሓቲቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ እዋን ምቕያር ባጤራ 40 ሚእታዊ ናይቲ ገንዘብ ከምዘይተመልሰን እዚ ድማ ኣብ ምውሓድ እቲ ባጤራ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝፈጠረን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ኣረጋጊጹ።

“ባንክታት ኤርትራ ጥርሑ ስለዝተረፈ፣ ባጤራ ብምቕያር ክንእክቦ ፈቲና፣” ዝበለ እቲ ሚኒስተር፣ እንተኾነ እቲ 40 ሚእታዊ ናይቲ ባጤራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተወነነ ብምንባሩ ከምዘይተመልሰ’ዩ ገሊጹ።
=================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0