መንግስቲ ኤርትራ፣ ንናጽነት ኤርትራ ዘይድግፉ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዑደት ከካይዱ ምዕዳሙ፣ ኣብ ሓያሎ ኤርትራዉያን ቁጠዐ ፈጢሩ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንናጽነት ኤርትራ ዘይድግፉ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዑደት ከካይዱ ምዕዳሙ፣ ኣብ ሓያሎ ኤርትራዉያን ቁጠዐ ፈጢሩ

Radio Erena: 12 January 2015

Molala

ብብዝሒ ኣሲሮውም ዘሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንናጽነት ኤርትራ ዘይድግፉ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዑደት ከካይዱ ምዕዳሙ፣ ንሓያሎ ኤርትራውያን ኣቑጢዑ።

እቲ መንግስቲ ነቲ ምስ ኢትዮጵያው ዘለዎ ፖለቲካዊ ህልኽ ከም መሳርሒ ክጥቐመሎም ንዝደሊ ወገናት ዋላ’ውን ነቶም ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክቕበልዎ ዘይደልዩ ፖለቲካውያን ምንቕስቓስ፣ ኣብ ኤርትራ ባይታ ክህቦም ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

 

እዞም ካብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ደቡብ ኣፍሪቃን ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዘለዉ ልዕሊ 75 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን፣ መብዛሕቶም ንናጽነት ኤርትራ ዘይቅበሉን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ’ያ እናበሉ ዝማጎትን’ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ተቓወምትን ጋዜጠኛታትን ናብ ኤርትራ ዑደት ክገብሩ ዝዓደመሉ ምኽንያት፣ ኣብ ኤርትራ ዝመደበረን ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ትሕቲ ሓደ ወትህደራዊ ሓይሊ ንክጥርነፋ ዝወሰድኦ ውሳኔ ንምዕዛብ’ዩ።

ንእግረ መንገዶም’ውን ኣብ ወደባኢት ከተማ ምጽዋዕ ፍሉይ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ተሰሪዕሎም ምህላዉ ምንጭታት ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ሬድዮ ኤረና ኣብ 18 ሕዳር 2014 (http://radioerena.wpengine.com/zena/natl/1014) ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኹሎም እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ እቶም ኦሮሞ፣ ኣምሓራ፣ ሲዳማን ትግራይን ተቓወምቲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ወትሃደራዊ ጽልላ ክጥርነፉ ድፍኢት ክገብረሎም ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ኣቐዲሙ ክትግበር ዝፈተነ ግና ብሰንኪ ምግምማዕ ተቓወምቲ ኦነግን ኣርበኞች ግንባርን ክሰምር ዘይክኣለ ምምስራት ሓባራዊ ወትሃደራዊ ሓይሊ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ውን ዳግም ንምትግባሩ ድፍኢት ይካየደሉ ኣሎ።

እቲ ዝሓሸ ጥርናፈን ወትሃደራዊ ኣለዎ ዝብሃል ደምህት’ውን ንጥርናፈ እዘን ኣብ ኤርትራ ዝመደበረን ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ክዕብልል ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

ሬድዮ ኤረና ኣብ ናይ 30 ታሕሳስ 2014 (http://radioerena.wpengine.com/zena/natl/1118) ዜናኣ’ውን እቲ ኣብ ወጻኢ ዝመደበሩ ናይ ግንቦት ሸዓተ ዝተባህለ ተቓዋሚ ናይ ዜና ማዕከን ኢሳት ምስቲ ካብ ኣስመራ ዝፍኖ መደባት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ደምህት ብሓባር ክሰርሑ ብመንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ተጌርሎም’ዩ።

Es

እታ ማዕከን ዜና ብመንግስቲ ኤርትራ ከምእትድገፍ ኣቦ መንበሪ ናይቲ ወናኒ እታ ማዕከን ዜና ዝኾነ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ ክረጋገጽ ክኢሉ’ዩ።

ንኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ግዳያት ማእሰርትን ስደትን ዝገበረ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዋላ’ውን ነቶም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ናጽነት ኤርትራ ክወሓጠሎም ዘይክኣለ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ እናዓደመ ጥጡሕ ባይታ ክፈጥረሎም ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ከኣ፣ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣቖጢዑ ይርከብ።

ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያታ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራ፣ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃና’ውን ብዘይወሓጠሎም ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ህሉው ኩነታታን ምስላን ክንገሮም ንዝግበር ዘሎ ፈተነታት’ውን ፕሮፖጋንዳ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ጠፊሹ ምህላዉ ዘጉልሕ ምዃኑ ኣስሚሮም።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0