መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሩስያ ዘለዎ ደገፍ ደጊሙ ንምግላጽ፣ ወኪሉ ናብ ሞስኮ ክልእኽ’ዩ

Radio Erena: 21 April 2022

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፣ ኣንጻራ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንዝተወስደ ስጉምታት ብወግዒ ዝተቓመ መንግስቲ ኤርትራ፣ ደገፉ ደጊሙ ንምርግጋጽ ወኪሉ ናብ ሞስኮ ክልእኽ’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን፣ ናብ ሞስኮ ብምምራሕ፣ ረቡዕ 27 ሚያዝያ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ፣ ሰርጌ ላቭሮቭ ብምርኻብ ክዝቲ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ታስ ሓቢሩ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ ‘ውን ኣብቲ ርክብ ክርከብ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብቲ ኣብ ሞስኮ ዝካየድ ርክብ፣ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ንግዲ፣ ቁጠባ፣ ወፍሪ፣ ትምህርትን ሰብኣዊ ጽላታት ዘተኮረ ናይ ምትሕግጋዝ ኣርእስታት ክዝተየሉ ምዃኑ፣ ንወኪል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፣ ማርያ ዛካሮቭ ብምጥቃስ፣ እቲ ኣገልግሎት ዜና ገሊጹ።

ኣብቲ ዘተ፣ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ከምኡ ድማ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ክልዓል ምዃኑ እታ ወኪል ጠቒሳ።

 

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0