መንግስቲ ኤርትራ፣ ባይቶ ጸጥታ ዘንበረሉ እገዳ ንኽልዓል ዲፕሎማስያዊ ዘመተ የካይድ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ባይቶ ጸጥታ ዘንበረሉ እገዳ ንኽልዓል ዲፕሎማስያዊ ዘመተ የካይድ

Radio Erena: 11 February 2016

Banki Girma

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ንኽልዓል እቲ መንግስቲ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እቲ መንግስቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ርክባት ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ንሓያሎ ዲፕሎማሰኛታትን ፖለቲከኛታትን እቲ ውድብ’ውን ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ክገብሩ ይዕድም ምህላዉ ገሊጾም።

ኣብዘን ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ጥራይ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ፣ ኣብ መዳይ ልምዓት፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን፣ እገዳን ከምዝዘተዩ ይዝከር።

 

መንግስቲ ኤርትራ ንሶማላውያን ዕጡቃት ይድግፍ ኣሎ ብዝብል ዝጀመረ ክሲ፣ ጉዳይ ጅቡቲን ኩነታት ሰብዊ መሰላትን ተደማሚርዎ፣ ነቲ መንግስቲ ኣብ ዞባ’ውን ኣህጉራውያን ተነጽሎታት ሸሚምዎ ይርከብ።

ባይቶ ጸጥታ’ውን ብጉዳይ ኤርትራ ኣብ ታሕሳስ 2009 ከምኡ ድማ ኣብ ታሕሳስ 2011 ኣብ ዝተራኸበሉ ክልተ እዋናት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ብምሕላፍ’ዩ ኣኼብኡ ከምዝዓጸወ ኣይርሳዕን።

እገዳ ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘይህሉ ብተደጋጋሚ ዝገለጸ መንግስትትቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣውራ ማሕንቖ ናይ ንሸቶታት ሚለንዮም ንምህራም ዝዓለመ ናይ ልምዓት መደባት ኮይኑ ምህላዉ፣ ብመንገዲ ዲፕሎማሰኛታቱ ኣብ ምግላጽ ይርከብ።

ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ግርማ ኣስመሮም፣ ብ9 ለካቲት ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ኣብ ዝተራከበሉ’ውን ነዚ ነጥቢ’ዚ ከምዘልዓለ እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ጠቒሶም።

ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ሓያሎ ጸገማት፣ ኣውራ ጠንቁ ሕቡራት ሃገራት፣ ነታ ኣህጉራዊ ውዕላት ንምጥሓስ ክሳብ እዚ እዋን፣ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ወሪራ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ካብ መሬት ኤርትራ ክትወጽእ ከገድዳ ብዘይምኽኣሉ ምዃኑ’ዩ መንግስቲ ኤርትራ ዝገልጽ።

=============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0